ፍሉይ ሓበሬታ 1– ሕዳር 2010 –መጽሔት ጸጋን ሓቅን
ምጅማር
ስብከት ከረን
ብፁዓት (በረኸት)– ማቴዎስ 5:1-12 NIV
“የሱስ ድማ ነቶም ህዝቢ ምስ ረአየ፣ ናብ ከረን ደየበ እሞ ተቐመጠ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቀረቡ፣ ንሱ ኸኣ ኪምህሮም ጀመረ እሞ በለ፦
ብፁዓን እቶም ብመንፈስ ድኻታት፣ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ።
ብፁዓን እቶም ዚሐዝኑ፣ ንሳቶም ኪጸናኑ እዮም እሞ።
ብፁዓን እቶም ህዱኣት፣ ንሳቶም ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ።
ብፁዓን እቶም ንጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፣ ንሳቶም ኪጸግቡ እዮም እሞ።
ብፁዓን እቶም መሓርቲ፣ ንሳቶም ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ።
ብፁዓን እቶም ብልቦም ንጹሃት፣ ንሳቶም ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ።
ብፁዓን እቶም ሰላም ዚገብሩ፣ ንሳቶም ደቂ ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ።
ብፁዓን እቶም ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፣ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ።
ብፁዓን ምእንታይ ኪጸርፉኹምን ኬሳድዱኹምን ብሓሶት ከኣ ክፉእ ዘበለ ኺዛረቡኹምን ከለዉ፣ ተሐጎሱ እሞ ባህ ይበልኩም፣ ዓስብኹም ኣብ ሰማይ ብዙሕ እዩ እሞ። ንነብያት ቅድሜኹም ዝነበሩ ኸኣ ከምኡ ገይሮም ሰጊሮምዎም እዮም።”
ምስላታት (ምምስሳላት)– ማቴዎስ 5:13-16 NIV
“ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። እቲ ጨው ግና ጨዋምነቱ እንተ ኣጥፍአ፣ ብምንታይ ደኣ ኺጨው ይከኣል፧ ንምድሪ ኺድፋእን ብሰብ ኪረገጽን እምበር፣ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።
“ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን እተሰርሐት ከተማ ኽትሕባእ ኣይትኽእልን እያ። ሓደ ሰብ መብራህቲ ኣንዲዱ ኣብ ትሕቲ ገበጣ ኣይሰርዖን እዩ። ኣብ ክንዲኡ ኣብ መብራህቲ ሰሪዑ ንኹሉ ኣብ ቤት ዘሎ ብርሃን ይህብ። ከምኡ ኸኣ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ፣ ምእንቲ ጽቡቕ ግብርኹም ኪርእዩን ነቦኹም ኣብ ሰማይ ዘሎ ኼመስግኑን።”