«መን እዩ ጐይታና?»
እዚ ናይ መዝሙር 12:4 (NASB) ሕቶ፡ ብትዕቢት እቶም «ሓሶት ንሓድሕዶም ዚዛረቡ፡ ብልሳን ምልስላስን ብኽልተ ልብን» (ቁ.2) ዚሓትዎ እዩ። ንሳቶም «ዓበይቲ ነገራት» (ቁ.3) ወይ «ትዕቢተኛ ነገራት»፡ ከምቲ ካልኦት ትርጉማት ዚብልዎ፡ ይዛረቡ። ብርግጽ፡ ነዚ መግለጺ እዚ ዚሰማምዑ ሰባት ንምርኣይ ብዙሕ ርሑቕ ክንርኢ ኣየድልየናን። እዞም ሰባት እዚኦም ንመገዲ ዲያብሎስ ይስዕቡ፡ ንሱ ኸኣ «ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን፡» «ሓቂ የብሉን፡» ከምኡውን «ኣቦ ሓሶት» እዩ (ዮሃንስ 8:44)። ባህርያት እቶም ዘይኣምኑ ሰባት ኪውስኹን ኣብቲ ጸረ-ክርስቶስ ብምሉኡ ኺርአን እዩ። እቲ ጸረ-ክርስቶስ ቅድሚ ምቕልቃልና፡ እቶም ኣብ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እምነትና ዝገበርና፡ ካብዛ ምድሪ «ንጐይታ ኣብ ኣየር ንምቕባል፡ ከምኡ ድማ ኩሉ ሳዕ ምስ ጐይታ ክንከውን» ክንወስድ ኢና (1 ተሰሎንቄ 4:17)።
ንሓጺር እዋን ነዚ ሓደ ሕቶ ንርእስና ንሓትት፦ መን እዩ ጐይታና? እቲ ኣረኣእያና እንታይ እኳ እንተዀነ፡ ንሕና ምእመናን ነቲ ሓሳብ ክንሓስቦ ምስ ንጅምር፡ ብቕጽበት ንትሕትና ንበጽሕ። መን እዩ ጐይታና? ብርግጽ፡ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ፡ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ናብዛ ብሓጢኣት እተረግመት ምድሪ ከም ሰብ ዝመጸ እዩ። የሱስ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቈልዑን ብምድሓን፡ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ፍርዲ ኣምላኽ ንሓጢኣቶም ብምጽዋር መጸ። ነዚ ዕዮ እዚ ብምግባር፡ ብፍጥራቱ ኣዝዩ ተሳቕየ፡ ብኣምላኽ ምስ ተሓደገ ድማ ዘይርድኣ ስቓይ ጸገበ። የሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ሃበ፡ ምእንቲ ንሕና ንዘለኣለም ክንነብር — እሞ ነታ ህይወት ሕጂ እውን ክንጥዕማ! ኣብ ሰማይ ልዑል ኮይኑ ኣሎ፡ ፍቕሩን ጸጋኡን ድማ ኣብ ልዕሌና ይፈስስ፡ ንሕና ድማ መዓልታዊ ኣብዚ ንመላለስ። እዚ እዩ እቲ ጐይታና ዝኾነ!
ኣብ መዝሙር 12፡ ጐይታ «ኪትንስእ» ከም ዝኾነን ነቲ ጻድቕ «ኣብቲ ዝናፍቖ ድሕነት» ከም ዘንብሮን (ቁ.5) ነንብብ። እዚ ተስፋ እዚ ብመግለጺ ቃላት ጐይታ ይስዕብ፡ ብኣንጻር ሓሶት እቶም ዘይኣምኑ፦ «ቃላት ጐይታ ንጹሃት ቃላት እዮም፡ ከም ብሓዊ ዝተፈተነ ብሩር ኣብ ምድሪ፡ ሾብዓተ ጊዜ ዝጸረየ» (ቁ.6)። እቲ ጐይታ ዝብሎ ንጹህ ሓቂ እዩ! ኣብዚ ሓድሽ ዓመት መዓልታዊ ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ግዜ ንውሰድ፡ እቲ ቃላት ድማ ንነፍስና ይሓጽባ፡ ምእንቲ እቲ ጽልዋኡ ኺረአ። ድሕሪኡ፡ ንዓና ክርእዩና ከለዉ፡ ኩሎም «መን እዩ ጐይታና» ኺፈልጡ እዮም።





