ሕቶ: ንሓደ ሓው፡ ንዝተሰጎጉ ክርስትያናት ክንጽሊ እንተኾይንና ሓቲተዮ ነይረ። ንሱ ድማ፡ «ስለምንታይ? ጸሎት እቲ ዝሓተተካ ሰብ ይኣክል እዩ። ከምኡ’ውን፡ ንሓደ ነገር ንኣምላኽ ሓንሳብ እንተጸሊኻ፡ እኹል እዩ – እንደገና ኣይትጸልየሉ፡ ምኽንያቱ እዚ ኣብ ኣምላኽ እምነት ምትእምማን ኣይኮነን» ኢሉ መለሰለይ። መከራኸሪኡ ኣብ ማርቆስ 11:24 ዝተመርኮሰ እዩ፡ እዚ ኸኣ፡ «ዝኾነ ነገር ክትልምኑ ኸለኹም፡ ከም ዝተቐበልኩምዎ እመኑ፡ ክኸውንልኩም ድማ እዩ» (NKJV) ይብል። ንሓደ ነገር ንኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ክንጽሊ ኣሎና ይመስለኒ። ተጋጊየ ድየ? ሓግዙኒ!
መልሲ: እቲ ንሓደ ነገር ካብ ሓንሳብ ንላዕሊ ከይትጽሊ ዝመኸረካ ሓው ማርቆስ 11:24 ብጌጋ ይጥቀመሉን ሕማቕ ምኽሪ ድማ ይህበካ ኣሎ። ሓደ ጥቕሲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ትሕዝቶኡ ወጻኢ ወሲድካ፡ ካልኦት ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይድግፍዎ ነገር ንምርግጋጽ ቅኑዕ ኣይኮነን።
ጐይታ ብዛዕባ ጸሎት ብዙሕ መምርሒታት ሂቡና ኣሎ። ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ንሕቶኻ ዝሕግዝ ኣብ ሉቃስ 18:1-8 ይርከብ። እቲ ጥቕሲ ከምዚ ይብል:
ድሕሪኡ ድማ፡ ሰባት ኩሉ ግዜ ኪጽልዩ እሞ ኸይሰልኩ፡ ዚብል ምሳሌ ነገሮም፡ «ኣብ ሓንቲ ኸተማ ንኣምላኽ ዘይፈርህን ንሰብ ዘየኽብርን ዳኛ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ሓንቲ መበለት ነበረት፡ ንሳ ኸኣ ናብኡ እናመጸት፡ ‘ካብቲ ጸላኢየይ ፍርዲ ሃበኒ’ ትብሎ ነበረት። ንሱ ድማ ንግዜኡ ኣይፈቐደን፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ውሽጡ፡ ‘ንኣምላኽ እኳ እንተ ዘይፈርህን ንሰብ እኳ እንተ ዘየኽብርን፡ እዛ መበለት እዚኣ ግና ስለ ዝተናገረትኒ፡ ብቐጻሊ ምምጽኣ ኸይተድክመኒ፡ ክፈርድላ እየ’ በለ።» ድሕሪኡ ጐይታ፡ «እቲ ዓመጸኛ ዳኛ ዝበሎ ስምዑ። ኣምላኽከ ንዝመረጾም፡ ንዕኡ ለይትን መዓልትን ዚጽውዑ፡ ንሱ ድማ ንነዊሕ ግዜ ዚዕገሶም፡ ኣይክፈርድሎምን ድዩ? ብቕልጡፍ ከም ዚፈርድሎም እብለኩም ኣሎኹ። ይኹን እምበር፡ ወዲ ሰብ ምስ መጸ፡ እምነት ኣብ ምድሪ ኸረክብ ድዩ?» (ሉቃስ 18:1-8)
እቲ ጐይታ ነዚ ምሳሌ ዝሃበሉ ምኽንያት ኣብ ቁጽሪ 1 ተዋሂቡና ኣሎ፡ ንሱ ንሰዓብቱ «ሰባት ኩሉ ግዜ ክጽልዩን ከይሰልኩን» ከም ዝግባእ ከምህሮም ደለየ። እቲ ዳኛ ብመወዳእታ ንተደጋጋሚ ልማኖ እታ መበለት ከም ዝተሰለመ፡ ኣምላኽ ድማ ንዝመረጾም – ንኣመንቲ ዝጥቀመሉ ቃል – «ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጽውዑ» ከምኡ ከም ዝገብር ኣመልከተ (ሉቃስ 18:7)።
ካልእ ኣገዳሲ ስርዓት ኣብዚ ምትእስሳር እዚ ኣብ ሉቃስ 11:8 ይርከብ፡ እዚ ኸኣ፡ «ብምኽንያት ጽንዓቱ ዝደለዮ ኩሉ ክህቦ እዩ» ይብል። እቲ ዝቕጽል ቁጽሪ ድማ፡ «ለምኑ፡ ክወሃበኩም ድማ እዩ» (ሉቃስ 11:9) ይብል።
ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:1-9፡ ሃዋርያ ጳውሎስ እሾኽ ስጋኡ ከም ዝእለ ሰለስተ ግዜ ከም ዝጸለየ ንንበብ። እዚ ኸኣ ካብቲ ናብ ገነት ተመንጢቑ ዝሰምዖ ዘይግለጽ ነገራት ከይዕበ ንምክልኻል ተዋሂብዎ ነበረ። ኣምላኽ ንጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጸሎታት ኣይገሰጾን፡ ግናኸ ጸጋኡ ይኣኽሎ ምዃኑ ንሃዋርያ ነገሮ።
እቲ ዝበለጸ ኣብነት ጐይታና የሱስ እዩ። ቅድሚ ምስማሩ ብዝነበረት ለይቲ፡ ቅድሚ ምእሳሩን ብኽፉእን ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ምሕዝኡን፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣታኽልቲ ጌተሴማኒ፡ ኣብ ደገ የሩሳሌም ኣብ ደብረ ዘይቲ ወሰዶም። ነፍሲ ወከፍ ወንጌል ካብቲ ኣብኡ፡ ኣብታ ለይቲ ዝተፈጸመ ገለ ክፋል ይነግረና።
ማቴዎስ 26:36-56 ክንርኢ ከለና፡ የሱስ ናብዚ ኣታኽልቲ እዚ ከም ዝኸደ፡ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ከም ዝሓደገ ንርኢ (ማቴዎስ 26:36)። ንጴጥሮስ፡ ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ናብ ኣታኽልቲ ወሲዱ፡ ምስኡ ክሕልዉ ከም ዝሓተቶም (ማቴዎስ 26:37-38)። ድሕሪኡ ኣብ ቁጽሪ 39 «ትንሽ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ገጹ ተደፊኡ ጸለየ።» ኣብ ቁጽሪ 42 «ካልኣይ ግዜ» ከይዱ እንደገና ጸለየ። ድሕሪኡ ድማ እንደገና ከይዱ ንሳልሳይ ግዜ ከምኡ ዝበለ ነገር ጸለየ፡ ከምቲ ኣብ ቁጽሪ 44 ተመዝጊቡ ዘሎ። ደቀ መዛሙርቱ ክነቕሑን ምስኡ ክሕልዉን ኣይከኣሉን። ጐይታ ብዓቢ ስቓይ ጸለየ፡ ግናኸ እቲ መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይ ጸሎታቱ ጥራይ እዩ ተዋሂቡና። ንነዊሕ ግዜ ጸለየ፡ ንሱ ድማ ብኹሉ መገዲ ፍጹም ኣብነትና እዩ!
ምስኡ ከም ኣብነትና ከምኡ’ውን ከም መምህርና፡ ክንጋገ ኣይንኽእልን። ንዕኡ ንስዓብ፡ ብቕንዕናን ብትግሃትን ናብቲ ጸሎት ዝሰምዕን ጸሎት ዝምልስን ኣምላኽና ንጸሊ!





