3 ለካ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 4 ለካቲት: ዕለታዊ ብርሃን, 4 ለካቲት: ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር (ዕብራውያን 10:38)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
እግዚኣብሄር ‘ድሕሪ ደጊም ነዛ መንገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ’ ኢሉኩም እዩ።
ዘዳግም 17:16
ነታ ሓዲጎምዋ ዝወፁ ሃገር ይሓስቡ ነይሮም እንተ ዝኾኑስ፥ ክምለሱ ምኸኣሉ ነይሮም። ሕዚ ግና ነታ ሰማያዊት ዝኾነት፥ ዝበለፀት ሃገር እዮም ዝናፍቑ ዘለዉ። ... ብሓጢኣት ካብ ዝርከብ ጊዜያዊ ደስታ፥ ምስ ህዝቢ እግዚኣብሄር መከራ ኽቕበልውን መረፀ። ናብቲ ዓስቢ ኣማዕድዩ ስለ ዝጠመተ፥ ካብ ሃብቲ ግብፅስ፥ ምእንቲ ክርስቶስ ውርደት ምቕባል።
ዕብራውያን 11:15–16, 25–26
ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ። ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።
ዕብራውያን 10:38–39
ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።
ሉቃስ 9:62
ኣነ ግና፥ ዓለም ንኣይ ዝተሰቕለትሉ፥ ኣነውን ንዓለም ዝተሰቐልኩሉ መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኮይኑስ፥ ትምክሕቲ ኻባይ ይርሓቕ።
ገላትያ 6:14
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
2ይ ቆሮንቶስ 6:17
ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ።
ፊልጵስዩስ 1:6
ኣብ ልዕሊ ቝስለይውን ቃንዛ ወሰኹለይ።
ዳዊት 69:26
በቶም ሃዲኦም ዝነብሩ ኣህዛብ የመና ተቘጢዐ ኣለኹ።
ዘካርያስ 1:15
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
ገላትያ 6:1
እቲ ንሓጥእ ካብ መንገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፥ ንነፍሱ ድማ ኻብ ሞት ከም ዘድሓና፥ ብዙሕ ሓጢኣትውን ክሕደገሉ ኸም ዝገበረ ይፍለጥ።
ያእቆብ 5:20
ነቶም ተስፋ ዝቐበፁ ኣተባብዕዎም፤ ነቶም ድኹማት ሓግዝዎም፤ ምስ ኵሉውን ዕጉሳት ክትኮኑ፥ ንምዕደኩም ኣለና።
1ይ ተሰሎንቄ 5:14
ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና፥ ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ፥ ሓደ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ፥ ይጠንቀቕ።
ሮሜ 14:13
ንሕና ብእምነት ዝፀናዕና፥ ነቶም ብእምነት ዘይፀንዑ ኣሕዋትና፥ ክንድግፎም ደኣ እምበር፥ ንባዕልትና ጥራሕ ክነሐጕስ፥ ኣይግብአናን እዩ።
ሮሜ 15:1
ፍቕሪ ይዕገስ፤ ... ፍቕሪ ብሓቂ ይሕጐስ እምበር።
1ይ ቆሮንቶስ 13:4, 6
ስለዙይ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፥ ከይወድቕ ይጠንቀቕ።
1ይ ቆሮንቶስ 10:12
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ2 ለካ 2024
1ይ ዜና 4:10 · ሉቃስ 22:46
1 ለካ 2024
1ይ ጴጥሮስ 1:8 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:7
31 ጥሪ 2024
ዘሑልቍ 33:55 · 1ይ ጢሞቴዎስ 6:12
30 ጥሪ 2024
ዕብራውያን 12:1–2 · ሉቃስ 9:23
29 ጥሪ 2024
ዘፍጥረት 16:13 · ዳዊት 139:1–4
28 ጥሪ 2024
ዘዳግም 33:25 · ማርቆስ 13:11






