19 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 20 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 20 መጋቢት: ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ (ዳዊት 119:130)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ምግላፅ ቃልካ ብርሃን ይህብ።
ዳዊት 119:130
እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ፥ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘለና መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሄር ብርሃን እዩ፤ ኣብኡውን ፀልማት ከቶ የለን” እትብል እያ።
1ይ ዮሃንስ 1:5
እቲ “ኣብ ፀልማት ብርሃን ይብራህ” ዝበለ እግዚኣብሄር፥ ነቲ ኣብ ገፅ ክርስቶስ፥ ክብሪ እግዚኣብሄር ዘንፀባርቕ ብርሃን ፍልጠት ምእንቲ ኽህበና፥ ኣብ ልብና ኸም ዝበርህ ገይሩ እዩሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 4:6
እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ። ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት።
ዮሃንስ 1:1, 4
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:7
ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ዳዊት 119:11
ንስኻትኩም፥ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፥ ድሮ ንፁሃት ኢኹም።
ዮሃንስ 15:3
ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ።
ኤፌሶን 5:8
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 2:9
ኖህ ብትውልዱ ፃድቕን ቅኑዕን ሰብ ነበረ።
ዘፍጥረት 6:9
ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ ኸም ዘየለ ርግፅ እዩ።
ገላትያ 3:11
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ።
ዘፍጥረት 8:20–21
ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
ራእይ 13:8
እምበኣር ብእምነት ካብ ፀደቕና፥ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምስ እግዚኣብሄር ሰላም ኣለና።
ሮሜ 5:1
ስለዙይ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን፤ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ እሞ። ሕዚ ግና፥ ከምቲ ሕግን ነቢያትን ዝመስከርዎ፥ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ፥ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ። ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
ሮሜ 3:20–22
በቲ ብእኡ ዕርቂ ዝረኸብና ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ጌርና፥ ብእግዚኣብሄር ንምካሕ ኣለና።
ሮሜ 5:11
እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ?
ሮሜ 8:33
ነቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም፥ ንኣኣቶም ከዓ ፀውዖም፤ ነቶም ዝፀውዖም ድማ ኣፅደቖም።
ሮሜ 8:30
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ18 መጋ 2024
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 6:1–10
17 መጋ 2024
ዘሌዋውያን 1:4 · 1ይ ጴጥሮስ 1:18–19
16 መጋ 2024
ያእቆብ 4:14 · ኢዮብ 9:25–26
15 መጋ 2024
ዕብራውያን 2:10 · ማቴዎስ 26:38–39
14 መጋ 2024
ቲቶ 2:10 · ፊልጵስዩስ 1:27
13 መጋ 2024
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 · ዕብራውያን 2:14






