20 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 21 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 21 መጋቢት: ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር (ዕብራውያን 10:38)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን።
ራእይ 3:2
ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡ እዩ እሞ፥ ብትግሃት ምእንቲ ኽትፅልዩ፥ ርእስኹም እትመልኩን ጥንቁቓትን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 4:7
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።
1ይ ጴጥሮስ 5:8
“እምበኣርከስ እቲ ዓይንኹም ዝረአዮ ነገር ከይትርስዑ፥ ብዅሉ ናይ ህይወት ዘመንኩም ድማ ኻብ ልብኹም ከይወፅእ፥ ንርእስኹም ተጠንቀቑ፤ ነፍስኹም ሓልዉ።
ዘዳግም 4:9
ፃድቕ ግና፥ ብእምነት እዩ ዝነብር፤ ንድሕሪት እንተ ተመለሰ ግና፥ ነፍሰይ ብእኡ ደስ ኣይብላን እዩ” ይብል እዩ እሞ። ንሕና ግና ምስቶም ንድሕሪት ተመሊሶም ዝጠፍኡ ዘይኮንናስ፥ ምስቶም ብእምነት ዝድሕኑ ኢና።
ዕብራውያን 10:38–39
እዝ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘለኹ፥ ንዅሉ እየ ዝብሎ ዘለኹ፤ ‘ንቕሑ’ ”።
ማርቆስ 13:37
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ። ንየማነይቲ ኢድካ ሒዘ፥ ‘ክድግፈካ እየ’ ዝብለካ።
ኢሳይያስ 41:10, 13
ምሕረቱኸ ንዘለኣለም ንውሉድ ወለዶዶ ተቛሪፁ እዩ?
ዳዊት 77:8
ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ዳዊት 136:23
ኦ እግዚኣብሄር! ንስኻ ንቝጥዓ ደንጓዪ።
ዘሑልቍ 14:18
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ ... ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።
ሚክያስ 7:18–19
ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ፅድቂ ዘይኮነስ፥ ብምሕረቱ፥ በቲ ኻልኣይ ልደት ዝህብ ምሕፃብን።
ቲቶ 3:5
እቲ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምፅንናዕን ዝኾነ፥ ናይ ጐይታና ኢየሱሱ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን እግዚኣብሄር ይባረኽ። በቲ ንባዕልትና ኻብ እግዚኣብሄር እንፀናንዐሉ ምፅንናዕ፥ ነቶም ኣብ መከራ ዘለዉ ዅላቶም ክነፀናንዕ ምእንቲ ኽከኣለና፥ ብመከራና ዅሉ ዘፀናንዐና ንሱ እዩ።
2ይ ቆሮንቶስ 1:3–4
ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ። ንሱ ባዕሉ ኽፍተን እንተሎ ተሳቕዩ እዩ እሞ፥ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ዕብራውያን 2:17–18
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 መጋ 2024
ግብሪ ሃዋርያት 3:26 · 1ይ ጴጥሮስ 1:3
18 መጋ 2024
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 6:1–10
17 መጋ 2024
ዘሌዋውያን 1:4 · 1ይ ጴጥሮስ 1:18–19
16 መጋ 2024
ያእቆብ 4:14 · ኢዮብ 9:25–26
15 መጋ 2024
ዕብራውያን 2:10 · ማቴዎስ 26:38–39
14 መጋ 2024
ቲቶ 2:10 · ፊልጵስዩስ 1:27




