27 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 28 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 28 መጋቢት: እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ (ዳዊት 27:1)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ።
ኢያሱ 1:18
እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
ዳዊት 27:1
ንሱ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፤ ሓይሊ ንዘይብሉ ኸዓ ብርትዐ ይውስኽ። ኣጕባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፤ መንእሰያት ድማ ፈፂሞም ይወድቁ። እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
ኢሳይያስ 40:29–31
ኦ ናይ ድሕነተይ ኣምላኽ፥ ልበይን ስጋይን ሃለቐ፤ እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ዕድለይ እዩ።
ዳዊት 73:26
እግዚኣብሄር ምሳና ኻብ ኮነኸ፥ መን እዩ ዝቃወመና?
ሮሜ 8:31
እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ፤ ኣይፈርሕን፤ ሰብ እንታይ ክገብረኒ ይኽእል?
ዳዊት 118:6
ብኣኻ ንፀላእትና ኽንወግኦም ኢና፤ ብስምካውን ኣብ ልዕሌና ንዝቖሙ ነዋርዶም።
ዳዊት 44:5
በቲ ዘፍቀረና ክርስቶስ፥ ካብቶም ሰዓርቲ የመና ንበልፅ ኢና።
ሮሜ 8:37
እምበኣር ተስእ እሞ ስራሕ ጀምር፤ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።”
1ይ ዜና 22:16
ኣነ ግና ኻብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተስኦ ክኸይድ እየ በሎም።
ዮሃንስ 11:11
ግና፥ ኣሕዋተይ፥ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፥ ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፥ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ኽትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ኢየሱስ ከም ዝሞተ፥ ካብ ሞትውን ከም ዝተስአ፥ እንተ ደኣ ንኣምን ኴንና፥ እግዚኣብሄር፥ ነቶም ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፥ ብኢየሱስ ኣተሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:13–14
ንምዉታን ዘየተስኦም እንተ ኾይኑ፥ ክርስቶስውን ኣይተስአን። ክርስቶስ ዘይተስአ እንተ ኾይኑ ድማ፥ እምነትኩም ከንቱ እያ። ንስኻትኩምውን ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኢኹም ዘለኹም። እምበኣር እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ኸዓ፥ ጥፉኣት እዮም። ክርስቶስ ግና ኻብ ሞት ተስአ፤ በዙይ ከዓ፥ ናይቶም ዝሞቱ በዅሪ ትንሳኤ ኾነ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:16–18, 20
ኵሉ እቲ ህዝቢ ንፈለግ ዮርዳኖስ ፈፂሙ ምስ ተሳገረ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ፦ ‘ካብዙይ ካብ ማእኸል ዮርዳኖስ፥ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቖማላ ቦታ፥ ዓሰርተ ኽልተ እምኒ ኣልዕሉ፤ ተሰኪምኩምውን ... እዞም ኣእማን እዚኣቶም ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም መዘከርታ እዮም’ ትብልዎም ድማ በሎም።
ኢያሱ 4:1, 3, 7
እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና።
ግብሪ ሃዋርያት 2:32
ነቶም መሰኻኽር ምእንቲ ክኾኑ ኣቐዲሙ እግዚኣብሄር ንዝሓረዮም፥ ንኣና እዩ እምበር፤ ካብ ምዉታን ድሕሪ ምትሳኡ፥ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናንውን ንሕና ኢና።
ግብሪ ሃዋርያት 10:41
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ26 መጋ 2024
ማቴዎስ 2:14–15 · ሮሜ 6:16
25 መጋ 2024
ዕብራውያን 13:5–6 · ዘፍጥረት 28:15
24 መጋ 2024
ዘፍጥረት 15:6 · ሮሜ 4:20–24
23 መጋ 2024
ራእይ 4:8 · ዳዊት 22:3
22 መጋ 2024
ዘፍጥረት 13:10–11 · 2ይ ጴጥሮስ 2:7–8
21 መጋ 2024
ራእይ 3:2 · 1ይ ጴጥሮስ 4:7






