24 መጋ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 25 መጋቢት: ዕለታዊ ብርሃን, 25 መጋቢት: በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ (ዕብራውያን 13:5)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
ዕብራውያን 13:5
ስለዙይ ብትብዓት “እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፥ ኣይፈርሕን፤ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ?” ንብል።
ዕብራውያን 13:6
እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
ዘፍጥረት 28:15
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ክኸይድ እዩ፤ ኣይጠልመኩምን፤ ኣይሓድገኩምንውን እዩ። ስለዙይ ፅንዑ፤ ትብዑ፤ ኣይትፍርሑ፤ ብኣኣቶም ኣይትሸበሩ።”
ዘዳግም 31:6
ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ... መጀመርታ ጊዜ ናይ እተኸሰስኩሉ መልሲ ኸቕርብ እንተለኹ፥ እግዚኣብሄር ደኣ ኸም በደል ኣይቝፀረሎም እምበር፤ ኵላቶም ጠለሙኒ፤ ሓደኳ ምሳይ ኣይነበረን። ግና እቲ ወንጌል ብምልኣት ብኣይ ምእንቲ ኽስበኽ።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:10, 16–17
ኣቦይን እኖይን ገዲፎምኒ እዮምሞ፤ እግዚኣብሄር ግና ተቐበለኒ።
ዳዊት 27:10
ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።”
ማቴዎስ 28:20
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ።
ራእይ 1:18
“ኣነ ደኽታማት ክትኮኑ ኣይሓድገኩምን እየ፤ ናባኻትኩም ክመፅእ እየ።
ዮሃንስ 14:18
ሰላም እሓድገልኩም ኣለኹ፤ ሰላመይውን እህበኩም ኣለኹ፤ እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘለኹ፥ ከምቲ ዓለም ዝህቦ ኣይኮነን፤ ልብኹም ኣይሸበር፤ ኣይፍራሕውን።
ዮሃንስ 14:27
ምሉእ ለይቲ ፅዒርና ዝሓዝናዮ የብልናን፤ ከም ቃልካ ግና፥ ነዝ መርበብ ኣውርዶ ኣለኹ ኢሉ መለሰሉ።
ሉቃስ 5:5
ኩሉ ስልጣን ኣብ ሰማይን ምድርን ተውሂቡኒ ኣሎ፤ እምበኣር ኪዱ እሞ፥ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናጥመቕክምዎም፥ ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፥ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፥ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፥ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።
ማቴዎስ 28:18–20
“ከምኡውን መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ባሕሪ ዝተዘርግሐት እሞ፥ ካብ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል።
ማቴዎስ 13:47
ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። ... ብዅሉ መንገዲ ንገሊኣቶም ምእንቲ ኸድሕን፥ ምስ ዅሉ ብዅሉ ነገር ከምኣቶም ኮንኩ።
1ይ ቆሮንቶስ 9:16, 22
እዋኑ ምስ በፅሐ ኽንዓፅድ ኢናሞ፥ ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ኣይንሰልኪ።
ገላትያ 6:9
ከምኡ ኸዓ ... ከምኡ ክኸውን እዩ፤ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ይፍፅም፤ ዝተልኣኸሉውን የስልጥ እምበር።
ኢሳይያስ 55:11
እቲ ዘዕቢ እግዚኣብሄር ደኣ እምበር፥ እቲ ዝተኸለ ኾነ፥ እቲ ዘስተየ ዝጠቅም የብሉን።
1ይ ቆሮንቶስ 3:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 መጋ 2024
ራእይ 4:8 · ዳዊት 22:3
22 መጋ 2024
ዘፍጥረት 13:10–11 · 2ይ ጴጥሮስ 2:7–8
21 መጋ 2024
ራእይ 3:2 · 1ይ ጴጥሮስ 4:7
20 መጋ 2024
ዳዊት 119:130 · 1ይ ዮሃንስ 1:5
19 መጋ 2024
ግብሪ ሃዋርያት 3:26 · 1ይ ጴጥሮስ 1:3
18 መጋ 2024
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 6:1–10






