14 ሰነ 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 15 ሰነ: ዕለታዊ ብርሃን, 15 ሰነ: ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
“ኵሉ እቲ ስዉር ነገር ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፥ እቲ ግሉፅ ግና፥ ኵሉ ቓል እዝ ሕጊ እዙይ ምእንቲ ኽንፍፅም።
ዘዳግም 29:29
ኦ ጐይታ፥ ልበይ ኣይተዓበየኒ፤ ኣዒንተይውን ልዕል ልዕል ኣይበላኒ። ምስ ዓበይቲ፥ ካባይ ዝበለፀ ምስ ዝኸበሩ ኣይከድኩን። ንነፍሰይ ኣዕረፍክዋ፤ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ህፃን ስቕ ኣበልክዋ፤ ነፍሰይ ጡብ እኖኡ ኸም ዘግደፍዎ ኣብ ውሽጠይ እያ።
ዳዊት 131:1–2
እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።
ዳዊት 25:14
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ።
ዳንኤል 2:28
እንሆ እዙይ ናይ መንገዱ ወሰን ጥራሕ እዩ፤ እቲ ዝሰማዕናዮ ነገር ክንደይ ውሑድ እዩ።
ኢዮብ 26:14
ባርያ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፥ ደጊም ኣዕርኽተይ እምበር፥ ባሮተይ ኣይብለኩምን፤ ኣነ ግና፥ እቲ ዅሉ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕኽዎ፥ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም፥ ኣዕርኽተይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 15:15
“ትፈትዉኒ እንተ ዄንኩም ትእዛዛተይ ሓልዉ። ኣነ ኸዓ ንኣብ ክልምኖ እየ፤ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር፥ ካልእ መፀናንዒ ኽህበኩም እዩ። ንሱ ናይ ሓቂ መንፈስ እዩ።
ዮሃንስ 14:15–17
ናይ መንፈስ [ቅዱስ] ሓሳብ እንታይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ እዩ፤ መንፈስ ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምእንቲ ቕዱሳን ይማልድ እዩ እሞ።
ሮሜ 8:27
ንኣይ ሓንቲ እኳ ኣይትልምኑን ኢኹም። ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ንኣብ ኵሉ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ኽህበኩም እዩ። ክሳዕ ሕዚ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፥ ለምኑ፤ ክትረኽቡ ድማ ኢኹም።
ዮሃንስ 16:23–24
ብኹሉ ፀሎትን ብልመናን ኵልሻዕ ብመንፈስ ፀልዩ።
ኤፌሶን 6:18
ከምቲ ፍቓዱ ጌርና፥ ዝኾነ ነገር እንተ ለመንናዮ፥ ከም ዝሰምዐና ስለ እንፈልጥ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና። ኵሉ ዝለመንናዮ ኸም ዝሰምዐና ኻብ ፈለጥና፥ ዝለመንናዮ ልመና፥ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ ንፈልጥ ኢና።
1ይ ዮሃንስ 5:14–15
ፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ንስኻትኩም ክትቅደሱን ካብ ዝሙት ክትርሕቑን እዩ እሞ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:3
እግዚኣብሄር ንቕድስና እምበር፥ ንርኽሰት ኣይፀውዐናን። ... ነቲ ቕዱስ መንፈሱ ዝህበኩም ንእግዚኣብሄር እምበር፥ ንሰብ ኣይኮነን ዝንዕቕ ዘሎ።
1ይ ተሰሎንቄ 4:7–8
ኵልሻዕ ተሓጐሱ፤ እንተየቋረፅኩም ፀልዩ፤ ብዅሉ ኣመስግኑ፤ እዙይ ንኣኻትኩም፥ ብክርስቶስ ኢየሱስ፥ ፍቓድ እግዚኣብሄር እዩ እሞ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ።
1ይ ተሰሎንቄ 5:16–19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ13 ሰነ 2024
ዮሃንስ 15:4 · ገላትያ 2:20
12 ሰነ 2024
ዘሑልቍ 31:23 · ዘዳግም 13:3
11 ሰነ 2024
ሉቃስ 15:20 · ዳዊት 103:8–13
10 ሰነ 2024
ሉቃስ 15:13 · 1ይ ቆሮንቶስ 6:11
9 ሰነ 2024
ዮሃንስ 7:46 · ዳዊት 45:2
8 ሰነ 2024
ዘፍጥረት 39:3 · ዳዊት 128:1–2






