24 ለካ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 25 ለካቲት: ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።
ያእቆብ 4:7
ፀላኢ ኸም ውሕጅ እኳ እንተ መፀ፥ ንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ።
ኢሳይያስ 59:19
ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ። ድሕሪዙይ ዲያብሎስ ሓደጎ፤ እንሆ ድማ መላእኽቲ መፂኦም ኣገልገልዎ።
ማቴዎስ 4:10–11
ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ። ንተንኰል ሰይጣን ምክልኻል ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣፅዋር እግዚኣብሄር ብምሉኡ ልበሱ።
ኤፌሶን 6:10–11
ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም።
ኤፌሶን 5:11
እዙይ ማለተይ ከዓ፥ ተንኰል ሰይጣን ከመይ ከም ዝኾነ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፥ ከየታልለና ኢለ እየ።
2ይ ቆሮንቶስ 2:11
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን። ብእምነት ፀኒዕኹም ተቓወምዎ፤ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩምውን፥ እዝ መከራ እዙይ ይበፅሖም ከም ዘሎ ትፈልጡ ኢኹም።
1ይ ጴጥሮስ 5:8–9
እታ ንዓለም እንስዕረላ ኸዓ፥ እምነትና እያ።
1ይ ዮሃንስ 5:4
እቲ ዘፅድቕ እግዚኣብሄር እዩ፤ ነቶም ናይ እግዚኣብሄር ሕሩያት ዝኸሶም ደኣ መን እዩ?
ሮሜ 8:33
ንእኡ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ኣበይሞ እንተ ዝፈልጥ!
ኢዮብ 23:3
ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ፥ ቃል ባርያኡውን ዝሰምዕ፥ ብፀልማት ዝኸይድ፥ ብርሃን ከዓ ዝሰኣነ መን እዩ? ብስም እግዚኣብሄር ይተኣመን፤ ኣብ ኣምላኽውን ይደገፍ።
ኢሳይያስ 50:10
ክትደልዩኒ ኢኹም፤ ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሊኹምኒ ኸዓ ኽትረኽቡኒ ኢኹም።
ኤርሚያስ 29:13
ክትረኽቡ ኢኹም፤ ማዕፆውን ኳሕዅሑ፥ ክኽፈተልኩም እዩ’ እብለኩም ኣለኹ። ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ።
ሉቃስ 11:9–10
ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:3
ሕዚ ግና፥ ንስኻትኩም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኴንኹም፥ ብደሙ ቐረብኩም። ክልቴና ብእኡ ጌርና፥ ብሓደ መንፈስ፥ ናብ ኣብ እንኣቱ ኢና እሞ።
ኤፌሶን 2:13, 18
“ምስኡ ሕብረት ኣለና” እናበልና፥ ኣብ ፀልማት እንተ ነበርና ንሕሱ፤ ንሓቂ እውን ኣይንገብራን ዘለና።
1ይ ዮሃንስ 1:6
ደቀ መዛሙርት ግበርዎም።
ማቴዎስ 28:20
በቲ ዘለኩምውን ይኣኽለኒ ምባል ተምሃሩ።
ዕብራውያን 13:5
ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር ... ንስኻትኩም ግና ምሳኻትኩም ዝነብርን ኣባኻትኩም ዝሓድርን ስለ ዝኾነ ትፈልጥዎ ኢኹም።
ዮሃንስ 14:16–17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ23 ለካ 2026
ዕብራውያን 12:24 · ዮሃንስ 1:29
22 ለካ 2026
ዳዊት 25:12 · ማቴዎስ 6:22
21 ለካ 2026
ዘሌዋውያን 20:8 · ዘሌዋውያን 20:24
20 ለካ 2026
ኢሳይያስ 53:11 · ዮሃንስ 19:30
19 ለካ 2026
ምሳሌ 2:6 · ምሳሌ 3:5
18 ለካ 2026
ኤርሚያስ 17:17 · ዳዊት 4:6






