ዕለታዊ ብርሃን, 16 መጋቢት: ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም (ያእቆብ 4:14)

ዕለታዊ ብርሃን

መዓልታዊ ብርሃን
ኩሉ ጽሑፋት

ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።

መዋእለይ፥ ካብ ጐያዪ ሰብ ይቕልጥፋ፤ ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ። ንሳተን ከም ቅልጥፍቲ ጃልባ ሸምበቆ፥ ዝበልዖ ኽምንጥል ከም ዝውንጨፍ ንስሪ ይሓልፋ።

ዓመታት ኣብ ቅድሜኻ ዝተንዓቑ እዮም፤ ብንግሆ ኸም ሳዕሪ ይሓልፍ። ብንጉሆ ይበቍል፥ ይሓልፍውን፤ ኣጋ ምሸት ግና ፀምልዩ ነቒፁ ይወድቕ።

“ኵሉ ኻብ ሰበይቲ ዝውለድ ሰብ፥ ዘመን ህይወቱ ቝሩብ መዓልቲ እዩ፤ መከራውን ዝመልኦ እዩ። ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ።

ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።

ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ኵሎም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ከም መጐናፀፍያ ክትልውጦም ኢኻ፤ ክልወጡውን እዮም። ንስኻ ግና ዅልሻዕ ንስኻ ኢኻ፤ ዓመታትካውን ከቶ ኣይውዳኣን እየን።

ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።

ብመንፈስ ክዝምር፥ ብኣእምሮይውን ክዝምር እየ።

ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ።

ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ።

ኣፈይ ምስጋና እግዚኣብሄር ይዛረብ፤ ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም፥ ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።

ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፤ መዝሙር ሰናይ እዩሞ፤ ንኣምላኽና ብመዝሙር ምምስጋንውን ፅቡቕ እዩ። ንእግዚኣብሄር ብምስጋና ዘምሩ፤ ንኣምላኽናውን ብመሰንቆ ዘምሩሉ።

ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።

ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብኣህመት ዩክሰክ ✪ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/hazy-mountain-peaks-at-sunrise-or-sunset-jUZUTcnJoQw)

ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።