13 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 14 መጋቢት: ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም
ዕለታዊ ብርሃን
ብዅሉ እሙናት ክኾኑ እምበር፥ ሰረቕቲ ኸይኾኑ መዓዶም።
ቲቶ 2:10
ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ።
ፊልጵስዩስ 1:27
ክፉእ ካብ ዝኾነ ኵሉ ረሓቑ።
1ይ ተሰሎንቄ 5:22
ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተፀረፍኩም ... ሓደኳ ኻባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባሪ ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ፥ መከራ ዝቕበል ኣይሃሉኹም።
1ይ ጴጥሮስ 4:14–15
ኣብ ማእኸል እዛ ቐይናንን ጠዋይን ትውልዲ እዚኣ፥ ጕድለት ዘይብሎም ንፁሃትን፥ ነቐፋ ዘይብሎም ውሉድ እግዚኣብሄርን ኴንኩም፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ከም ብርሃናት ክትበርሁ ኢኹም።
ፊልጵስዩስ 2:15
ከምኡ ኸዓ ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም፥ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኻትኩም ምእንቲ ኸመስግንዎ፥ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ማቴዎስ 5:16
ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ።
ምሳሌ 3:3–4
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ሓቂ ዝኾነ ዅሉ፥ ክቡር ዝኾነ ዅሉ፥ ሰናይ ዝኾነ ዅሉ፥ ንፁህ ዝኾነ ዅሉ፥ ተፈታዊ ዝኾነ ዅሉ፥ ቅኑዕ ዝኾነ ዅሉ፥ ብሉፅ ወይ ምስጉን ዝኾነ ነገር እንተ ሃልዩ፥ ብዛዕባ እዝ ነገራት እዙይ ሕሰቡ።
ፊልጵስዩስ 4:8
እዝ ኣነ ዝነገርኩኹም ቃል ከዓ መንፈስ እዩ፤ ህይወትውን እዩ።
ዮሃንስ 6:63
ናይ ኵሉ ፍጥረቱ በዅሪ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ።
ያእቆብ 1:18
ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
2ይ ቆሮንቶስ 3:6
ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥ ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን።
ኤፌሶን 5:25–27
መንእሰይ መንገዱ ብምንታይ የንፅህ? ቃልካ ብምሕላው እዩ። እዚኣ ብመከራይ ኣሐጐሰትኒ። ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድል፥ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ። ... ንቓልካውን ኣይርስዖን እየ። ... ነቶም ዝፀርፉኒ ብነገር መልሲ ኽህቦም እየ። ካብ ኣእላፋት ወርቅን ብሩርን ሕጊ ኣፍካ ይሕሸኒ። ብእኡ ህያው ጌርካኒ ኢኻ እሞ፥ ፍርድታትካ ንዘለኣለም ኣይርስዕን። ቃልካ ንጐረሮይ ጥዑም እዩ፤ ንኣፈይ ካብ መዓርን ካብ ወለላን ዝበለፀ መቀረኒ። ካብ ትእዛዛትካ ዝተልዓለ ኣስተውዓልኩ፤ ስለዙይ ኵሉ መንገዲ ሓሰት ፀላእኹ።
ዳዊት 119:9, 50, 11, 16, 42, 72, 93, 103–104
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ12 መጋ 2026
ዘሑልቍ 6:25–26 · ዮሃንስ 1:18
11 መጋ 2026
ዘሑልቍ 6:24 · ምሳሌ 10:22
10 መጋ 2026
ዘፍጥረት 22:14 · ዘፍጥረት 22:8
9 መጋ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17 · ዘዳግም 8:11–12
8 መጋ 2026
ኢሳይያስ 38:17 · ሚክያስ 7:18–19
7 መጋ 2026
ኢሳይያስ 54:5 · ኤፌሶን 5:32






