10 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 11 መጋቢት: እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን (ዘሑልቍ 6:24)
ዕለታዊ ብርሃን
‘እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን።
ዘሑልቍ 6:24
በረኸት እግዚኣብሄር ተህብትም፤ ሓዘንውን ምስኣ ኣይውሰኽን።
ምሳሌ 10:22
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንፃድቕ ትባርኾ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና።
ዳዊት 5:12
ንእግርኻ ንምንዋፅ ኣይህቦን፤ እቲ ዝሕልወካውን ኣይድቅስን። እግዚኣብሄር ይሕልወካ እዩ፤ እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢድካ ኽጋርደካ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ኽፉእ ክሕልወካ እዩ፤ ንነፍስኻውን ኽሕልዋ እዩ። እግዚኣብሄር ካብ ሕዚ ጀሚሩ ንዘለኣለም፥ ምውፃእኻን ምእታውካን ክሕሉ እዩ።
ዳዊት 121:3, 5, 7–8
ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፤ ኵልሻዕ ማይ ኣስትዮ፤ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፥ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣለኹ።
ኢሳይያስ 27:3
ኣነውን ናባኻ እመፅእ ኣለኹ። ኦ ቕዱስ ኣቦ! ነቶም ዝሃብካኒ፥ ከማና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ... ኣነ ምስኣቶም ኣብ ዓለም እንተለኹ፥ ነቶም ዝሃብካኒ በቲ ስምካ፥ ሓለኹዎምን ተኸናኸንክዎምን።
ዮሃንስ 17:11–12
እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ኽፉእ ግብሪ ኸናግፈኒ፥ ሓልዩ ኸዓ፥ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኸብቅዐኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
2ይ ጢሞቴዎስ 4:18
ኢየሱስ ድማ ነብዐ።
ዮሃንስ 11:35
በዓል ስቓይ፥ ብሕማም ዝተጠቕዐ እዩ።
ኢሳይያስ 53:3
ከምዝ ኸማና ብዅሉ ዝተፈተነ እዩ፤ ግና ሓጢኣት ኣይገበረን።
ዕብራውያን 4:15
እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝተፈጥረ፥ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ኸእትዎም፥ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ፥ ብመከራ ፍፁም ክገብሮ ተገብኦ።
ዕብራውያን 2:10
ውሉድ እኳ እንተ ኾነ፥ በቲ ዝተቐበሎ መከራ ተኣዛዚ ምዃን ተምሃረ።
ዕብራውያን 5:8
ኣነውን ኣይኣበኹን፤ ኣየድሐርሐርኩን። ዝባነይ ንገረፍቲ፥ ምዕጕርተይ ድማ፥ ንነፀይቲ ፀጕሪ ሃብኩ፤ ገፀይ ከዓ ኻብ ውርደትን፥ ካብ ቱፍ ዝብሉለይን ኣይከወልኩን።
ኢሳይያስ 50:5–6
ሽዑ ኣይሁድ “ክንደይ ይፈትዎ ኸም ዝነበረ እስኪ ረአዩ!” በሉ።
ዮሃንስ 11:36
ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር፥ ንመላእኽቲ ኸድሕን ኣይመፀንሞ። ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፥ ንሓጢኣት ህዝቢ እውን ምእንቲ ኸስተስሪ፥ ነቶም ኣሕዋቱ ብዅሉ ኽመስሎም ተገብኦ።
ዕብራውያን 2:16–17
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ9 መጋ 2026
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17 · ዘዳግም 8:11–12
8 መጋ 2026
ኢሳይያስ 38:17 · ሚክያስ 7:18–19
7 መጋ 2026
ኢሳይያስ 54:5 · ኤፌሶን 5:32
6 መጋ 2026
ምሳሌ 2:8 · ዘዳግም 1:32–33
5 መጋ 2026
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 123:1–2
4 መጋ 2026
ቈላስይስ 3:2 · 1ይ ዮሃንስ 2:15





