4 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 5 መጋቢት: ኣታ ኣብ ሰማይ እትነብር ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ
ዕለታዊ ብርሃን
ኦ እግዚኣብሄር፥ እጭነቕ ኣለኹሞ ዋልታ ኹነኒ።
ኢሳይያስ 38:14
ኣታ ኣብ ሰማይ እትነብር ጐይታ፥ ኣዒንተይ ናባኻ አልዕል ኣለኹ። እንሆ፥ ኣዒንቲ ባሮት ናብ ኢድ ጐይታኦም ከም ዝኾና፥ ኣዒንቲ ገረድውን ናብ ኢድ እምበይተኣ ኸም ዝኾና፥ ከምኡ ኽሳዕ ዝምሕረና፥ ኣዒንትና ናብ ኣምላኽና ናብ እግዚኣብሄር እየን።
ዳዊት 123:1–2
ኦ ኣምላኽ፥ ልመናይ ስማዕ፤ ፀሎተይውን ኣድምፅ። ልበይ ተስፋ ምስ ቈረፀ፥ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ። ኣብ ቅድሚ ፀላኢ፥ ፅኑዕ ግንቢ፥ ተስፋይውን ኴንካኒ ኢኻሞ መራሕኻኒ። ኣብ ድንኳንካ ንዘለኣለም ክነብር እየ፤ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካውን ክኽወል እየ።
ዳዊት 61:1–4
ንስኻ ንድኻ ዕርዲ፥ ንፅጉም ኣብ መከራኡ መፀግዒ፥ ካብ ፀፍዒ መዕቐሊ፥ ካብ ሃሩር መፅለሊ ኾንካ።
ኢሳይያስ 25:4
ክርስቶስ ድማ፥ ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ ኢሉ፥ ምእንታኻትኩም መከራ ተቐበለ፤ ኣርኣያውን ሓደገልኩም። “ንሱ ሓጢኣት ኣይገበረን፤ ሓሰትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን።” ምስ ፀረፍዎ መሊሱ ኣይፀረፈን፤ መከራ እንተፅንዑሉውን፥ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ እግዚኣብሄር ደኣ፥ ነገሩ ኣሐሊፉ ሃበ እምበር፥ ኣየፈራርሐን።
1ይ ጴጥሮስ 2:21–23
ሰናይ ናይ እምነት ገድሊ ተጋደል።
1ይ ጢሞቴዎስ 6:12
ብስጋና ዕረፍቲ ኣይረኸብናን፤ ኣብ ወፃኢ ውግእ፥ ኣብ ውሽጢ እውን ፍርሓት ነበረና።
2ይ ቆሮንቶስ 7:5
ኤልሳዕ ከዓ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፥ ኣይትፍራሕ” በሎ።
2ይ ነገስት 6:16
ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
ኤፌሶን 6:10
ንስኻ ብሰይፍን ብዂናትን ብመዝረቕን ትመፀኒ ኣለኻ። ኣነ ግና ብስም እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ በቲ ንስኻ እተባጭወሉ ዘለኻ ኣምላኽ ሰራዊት እስራኤል፥ እመፀካ ኣለኹ።
1ይ ሳሙኤል 17:45
ሓይሊ ዘዕጥቐኒ እግዚኣብሄር እዩ፤ ... ነእዳወይ ውግእ፥ ንቐላፅመይ ከዓ ቐስቲ ነሃስ ምግታር መሃረን።
2ይ ሳሙኤል 22:33, 35
ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
2ይ ቆሮንቶስ 3:5
መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕዎ ይሰፍር፤ ንሱውን የናግፎም።
ዳዊት 34:7
ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ኣብቲ ዀረብታታት ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነቲ ዀረብታ መሊኦምዎ ነበሩ።
2ይ ነገስት 6:17
ብዛዕባ እኒ ጌዴዎን፥ እኒ ባርቅ፥ እኒ ሶምሶን ... ንሳቶም ብእምነት ንመንግስታት ሰዓሩ፤ ... ኣብ ድኻም በርትዑ፤ ኣብ ውግእ ሓየሉ፤ ሰራዊት ፀላእቲ ሰዓሩ።
ዕብራውያን 11:32–34
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ3 መጋ 2026
ምሳሌ 3:5–6 · ዳዊት 62:8
2 መጋ 2026
ዘፍጥረት 41:52 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–5
1 መጋ 2026
ገላትያ 5:22 · 1ይ ዮሃንስ 4:16
28 ለካ 2026
ዮሃንስ 3:16 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:18–21
27 ለካ 2026
ሮሜ 6:11 · ዮሃንስ 5:24
26 ለካ 2026
ሰቆቃወ 3:40 · ዳዊት 26:2






