6 መጋ 2026
ዕለታዊ ብርሃን, 7 መጋቢት: ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ
ዕለታዊ ብርሃን
ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ።
ኢሳይያስ 54:5
እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ።
ኤፌሶን 5:32
ድሕሪዙይ “ሕድግቲ” ኣይትበሃሊን ኢኺ፤ ... እግዚኣብሄር ብኣኺ ደስ ኢልዎ እዩሞ ... ንስኺ “ሓጐሰይ ዝነብረላ” ኽትበሃሊ ኢኺ፤ ... መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፥ ከምኡ ኣምላኽኪውን ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
ኢሳይያስ 62:4–5
እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ... ንዅሎም ሕዙናት ከፀናንዕ ለኣኸኒ። “እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም።
ኢሳይያስ 61:1–3
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ ... ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ኢሳይያስ 61:10
ንዘለኣለም ንኣይ ክትኮኒ ኽሕፀየኪ እየ፤ ብፅድቅን ብፍርድን ብምሕረትን ብርህራሀን ክሓፅየኪ እየ።
ሆሴዕ 2:19
ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ? መከራ ድዩ? ጭንቂ ድዩ፥ ስደት ድዩ።
ሮሜ 8:35
ርስተይ ኣብ ኢድካ እዩ።
ዳዊት 31:15
ንስኻ ንህዝብታት ተፍቅሮም፤ ኵሎም ቅዱሳንካ ኣብ ኢድካ እዮም።
ዘዳግም 33:3
እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ “ካብዙይ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንፅር ዮርዳኖስ ዘሎ ሩባ ኮራት ተሓባእ። ካብቲ ሩባ ማይ ክትሰቲ ኢኻ፤ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንዃዃት ኣዚዘ ኣለኹ” በሎ። ሽዑ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ተስእ እሞ ናብ ሰራፕታ ናይ ሲዶና ኺድ፤ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣለኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ።
1ይ ነገስት 17:2–4, 8–9
ስለዙይ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይ ንሰብነትኩም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ እብለኩም ኣለኹ። ህይወት ካብ መብልዕ ... ንኣኻትኩም ግና እዝ ዅሉ ኸም ዘድልየኩም፥ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም ይፈልጥ እዩ።
ማቴዎስ 6:25, 32
ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤ ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።
ምሳሌ 3:5–6
ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፥ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
1ይ ጴጥሮስ 5:7
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ Daily Light on the Daily Path (ናይ ሕብረተሰብ ንብረት)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 መጋ 2026
ኢሳይያስ 38:14 · ዳዊት 123:1–2
4 መጋ 2026
ቈላስይስ 3:2 · 1ይ ዮሃንስ 2:15
3 መጋ 2026
ምሳሌ 3:5–6 · ዳዊት 62:8
2 መጋ 2026
ዘፍጥረት 41:52 · 2ይ ቆሮንቶስ 1:3–5
1 መጋ 2026
ገላትያ 5:22 · 1ይ ዮሃንስ 4:16
28 ለካ 2026
ዮሃንስ 3:16 · 2ይ ቆሮንቶስ 5:18–21






