ሰለስተ ቱፋሕ ንጉዕዞ ታሪኽ ደቂ ሰብ ቀይሮምዎ እዮም ተባሂሉ ኣሎ፡ ብሓዘን። ብግልባጥ ንውሰዶም።
Apple Inc. ብዘደንቕ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፍርያታቶም ኣብዚ ዝሓለፉ ዓመታት ንሓበሬታ ቴክኖሎጂ ኣብዮት መሪሖምዎ እዮም።
እቲ ናይ ኣይዛክ ኒውተን ቱፋሕ ኣብ ርእሱ ኣይወደቐን ይኸውን፡ ግናኸ “እቲ ቱፋሕ ንምንታይ ኩሉ ግዜ ብቐጥታ ናብ ምድሪ ይወርድ?” ኢሉ ከም ዝሓስብ ገበሮ። ሕግታቱ ናይ ስሕበት ሓይሊ ኣብ 1687 ንመጀመርታ ግዜ ምስ ተሓትሙ፡ ንሳይንሳዊ ምርዳእ ናይቲ እዋን ኣብዮት ፈጠሩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ቱፋሕኸ? መጽሓፍ ቅዱስ ቱፋሕ ከም ዝነበረ ኣይብልን እዩ፡ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ፍረ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ከም ዝበልዑ ጥራይ እዩ ዝብል። በዚ ኸኣ ንኣምላኽ ኣየታዘዙን፡ ንሱ ኸኣ “ኣብታ እትበልዕላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ” (ዘፍ. 2:17) ኢሉ ኣጠንቂቕዎም ነበረ። እዚ ኸኣ ንኣታቶምን ንዘርኦምን ከምኡ ኾነ፡ “ብሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብሓጢኣት ኸኣ ሞት፡ በዚ ኸኣ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ በጽሐ፡ ከመይሲ ኩሎም ሓጢኦም” (ሮሜ 5:12)።
እቶም ካልኦት ቱፋሕ ንብልሓት ሰብን ንዕቤቱን እንተዘንብሩ፡ እዚ ቱፋሕ ዝበሃል ግና ብዛዕባ ኩነታት ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዝኸበደ ዛንታ ይነግር፡ “ኣበሳኹም ንዓኹም ካብ ኣምላኽኩም ፈሊዩኩም ኣሎ” (ኢሳ. 59:2)። ግናኸ መፍትሒ ኣሎ፡ ኣምላኽ ብምሕረት ንወዱ ንምድሓንና ለኣኾ። ክልተ ሽሕ ዓመታት ቅድሚ ሕጂ ኣብ መስቀል ቀራንዮ፡ ጐይታ የሱስ “ሓደ ግዜ ብሰንኪ ሓጢኣት ተሰቀለ፡ ጻድቕ ንሓጥኣን፡ ምእንቲ ናብ ኣምላኽ ከምጽኣና” (1 ጴጥ. 3:18)። ክንገብሮ ዘሎና ኸኣ ካብ ሓጢኣትና ንስሓ ምግባርን ንእኡ ከም መድሓኒና ምእማንን እዩ።
ኒውተን ብዛዕባ ዩኒቨርስ፡ “እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ስርዓት … ካብ ምኽርን ግዝኣትን ናይ ብልህን ሓያልን ፍጡር ጥራይ ክመጽእ ይኽእል እዩ” በለ። ቅኑዕ ነበረ፡ እዚ ኣዝዩ ጽቡቕ ናይ ምድሓን መገዲ ኸኣ ካብቲ ሓደ ምንጪ እዩ ዝመጽእ። ጐይታ የሱስ ሞተን ተንስአን። በዚ ኸኣ፡ “ብጐይታ የሱስ እመን፡ ክትድሕን ኢኻ” ክብሃል ይከኣል።




