ሓደ ሕቶ ብዛዕባ “ጥቕሚ” ብዙሕ ግዜ ይለዓል። ሰይጣን ብዙሕ ግዜ ብእኡ ገይሩ የታልል። ንዮሃንስ፡ ንቕዱሳን ንምግልጋል ሓራ ንምዃን ኢሉ፡ ሓንሳብ እንተ ተደራዲዩን ካብ ሽግር እንተ ርሒቑን ዝያዳ ጠቓሚ ከም ዝኸውን ሓሳብ ሂብዎ ይኸውን። ንመን ጠቓሚ? ንኣምላኽ ወይስ ንሰብ? ኣምላኽ ንሰብ ብምግላፍ ዝያዳ ክብሩ ከርኢ ይኽእል እዩ። ኣዒንቲ ኣምላኽ ኣብቲ እሱር ዝነበረ ጳውሎስ ኣዕረፋ፡ ንሱ ዘይጠቅም ዝመስል (ሓንሳብ ሓንሳብ ክጽሕፍ እውን ኣይፍቀደሉን ነበረ)፡ ከምቲ ንገለ ካብቶም ዓበይቲ መሰላት ሓቂ ዝገልጽ መርኣያ።
እቲ ድኻምካ ዘይጠቅም ዝመስለካ እዋን፡ ብዙሕ ግዜ ኣምላኽ ክብሩ ዝገልጸሉ መገዲ እዩ። ሰባት ኣረገውቲ ክርስትያናት፡ “ዘይጠቅሙ” ዝበሃሉ፡ ኣብ ምድሪ ክተርፉ፡ መንእሰያት ንጡፋት ድማ ክውሰዱ ይገርሞም። ንቤት ኣምላኽ ንዕኡ ኸተሰናድወሉ ኣይትፈትን፤ “ዮሃንስ ኣብ ጳጥሞስ ምህላዉስ ክንደይ ዘሕዝን!” ኣይትበል። እግዚኣብሔር ንህዝቡ ክሳዕ መወዳእታ ዘመን ዜገልግል ነገር ኬመሓላልፍ ኣብኡ ኪኸውን ደልይዎ ነበረ። ሓደ ሰብ ኣብ ከቢድ ኩነታት ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ንስኻ ድማ ብሓይሊ ሰብኣዊ ባህርይ ካብኡ ከተውጽኦ ትኽእል ኢኻ። እሞ ኸኣ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣምላኽ ኣብኡ ኪኸውን ከም ዝደለዮ ትፈልጥ፡ ከመይሲ ሽዑ ምስክርነት ኪህብ ምኸኣለ፤ ንስኻ ድማ ነገራት ብፍቕርኻን ብምቾትካን ዘይኮነስ፡ ብብርሃን ኣምላኽ ክትመዝኖም ምተገበአካ።




