ጐይታ ቀሪቡ እዩ — ሚያዝያ 23, 2024: 1ይ ቆሮንቶስ 11:24

ጐይታ ቀሪቡ እዩብራያን ሬይኖልድስ

እግዚኣብሔር ቀሪቡ እዩ
ኩሉ ጽሑፋት

1 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2 ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክውፈ እንተ ተመባፅዐ፥ 3 ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይከልከል። ዝመፀፀ ወይኒ ኾነ ወይ ዝመፀፀ ዘስክር መስተ ኣይስተ፤ ዝኾነ ኻብ ወይኒ ዝተፀምቈ ኣይስተ፤ ካብ ወይኒ ድማ ብሸዊቱ ኾነ ወይ ብንቑፁ ኣይብላዕ። 4 በቲ ናዝራዊ ኾይኑ ዝነብረሉ እዋን፥ ፍረኡ ኾነ ገፈሉ፥ ወይ ዝኾነ ይኹን ካብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ። 5 በተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ኣይላፀ፤ ፀጕሪ ርእሱውን ኣይቈረፅ። እተን ንእግዚኣብሄር ዝተወፈየለን መዓልቲታት ክሳዕ ዝመልኣ ቅዱስ ይኹን፤ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ የንውሕ። 6 በተን ንእግዚኣብሄር ዝተፈለየለን ኵለን መዓልቲታት ናብ ዝሞተ ሰብ ኣይቕረብ። 7 እቲ “ናዝራዊ እየ” ኢሉ ናብ ኣምላኽ ዝተመባፅዖ ፀጕሪ ኣብ ርእሱ ስለ ዘሎ፥ ብሞት ኣቦኡ ወይ እኖኡ ወይ ሓዉ ወይ ሓፍቱ ኣይርከስ። 8 ብዅለን እተን ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ዝተፈለየለን መዓልቲታት፥ ንእግዚኣብሄር ዝተቐደሰ እዩ። 9 ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተሞ፥ እቲ ብመብፅዓ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ድማ እንተ ረኸሰ፥ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ርእሱ ይላፂ፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ይነፅህ። 10 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ኣናእሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእ። 11 እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ኽንዲ ስርየት ሓጢኣት ይሰውኣያ፤ ነታ ኻልአይቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣያ። ንምዉት ብምንካኡ ረኺሱ እዩ እሞ እቲ ኻህን የስተስርየሉ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸዓ ርእሱ ይቐድስ። 12 ከም ብሓድሽ ከዓ ናዝራዊ ኾይኑ ብመብፅዓ ንእግዚኣብሄር ይወፈ፤ ክንዲ በደል ዝቐርብ መስዋእቲ ኸዓ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ የምፅእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፥ እተን ቀዳሞት መዓልቲታት ከንቱ እየን። 13 ሓደ ናዝራዊ፥ እተን ናዝራዊ ኾይኑ ዝተፈለየለን መዓልቲታት ምስ መልኣ፥ እቲ ሕጊ ኸምዙይ እዩ፦ ናብ ኣፍ እቲ መራኸቢ ድንኳን የምፅእዎ። 14-15 ንሱ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ዓመት ዝገበረ ጡበት በጊዕ፥ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት እትስዋእ ጐደሎ ዘይብላ፥ ዓመት ዝገበረት በጊዕ፥ ንመስዋእቲ ምስጋና ጐደሎ ዘይብሉ ማጕላ፥ ምስኡ ኸዓ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታትን፥ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ዝሓዘ ሓደ መሶብ፥ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። 16 እቲ ኻህን ከዓ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ ምእንቲ ስርየት ሓጢኣት ዝውፈን ንዝቃፀል መስዋእትን ገይሩ ኸዓ ይሰውኣዮ። 17 ነቲ ማጕላ ድማ ምስቲ ኣብ መሶብ ዘሎ ዘይበዅዐ እንጀራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ገይሩ ይሰውኣዮ፤ ምስኡ ኸዓ መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን ይሰውእ። 18 እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይላፅዮ፤ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ ድማ የእትዎ። 19 ነቲ ዝወፈዮ ፀጕሪ ርእሱ ምስ ላፀዮ፥ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ማጕላ ይውሰዳ፤ ካብቲ መሶብ ከዓ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብሮ። 20 ሽዑ እቲ ኻህን ከምቲ እናወዝወዝካ ናባይ ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ይወዝውዞ። እዙይ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ፍሉይ እግርን ነቲ ኻህን ይኹን። ድሕሪዙይ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ኽሰቲ ይኽእል። 21 ሕጊ ናዝራውያን እዙይ እዩ። ሓደ ናዝራዊ ግና እንትርፊ እቲ ዝተመባፅዖ፥ ካልእ ነገር ብመብፅዓ እንተ ኣተስፈወ፥ መብፅዓኡ ይፈፅም። 22 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 23 “ንደቂ እስራኤል እንትትባርኽዎም ከምዙይ በልዎም ኢልካ ንኣሮንን ንደቁን ንገሮም፦ 24 ‘እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን፤ 25 እግዚኣብሄር ገፁ የብርሀልካ፤ ይራህርሀልካውን። 26 እግዚኣብሄር ገፁ ይምለሰልካ፤ ሰላም ድማ ይሃብካ።’ 27 “ከምዙይ ገይሮም ስመይ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል የንብሩ፤ ኣነውን ክባርኾም እየ።”

1 ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣርብዓ ዓመት ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። 2 ማኑሄ ዝስሙ ሰብኣይ በዓል ፆርዓ፥ ካብ ዓሌት ዳን ነበረ። ሰበይቱ ኸዓ መኻን ነበረት። 3 መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተገሊፁ ኸምዙይ በላ፦ “እንሆ መኻን ስለ ዝኾንኪ ኣይወለድክን፤ ግና ኽትጠንሲ፥ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። 4 እምበኣር ካብ ሕዚ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ከይትሰትዪ፤ ርኹስ ዝኾነ ዅሉውን ከይትበልዒ ተጠንቀቒ። 5 ምስ ወለድኪ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ርእሱ መላፀ ኣይሓልፎን፤ ንሱ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖም ክጅምር እዩ።” 6 ሽዑ እታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “ሓደ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ናባይ መፀ፤ ትርኢቱውን ከም ትርኢት መልኣኽ እግዚኣብሄር የመና ዘፍርሕ ነበረ። ካበይ ከም ዝኾነ ኣነ ኣይጠየቕክዎን፤ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን። 7 ግና ‘ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፤ እቲ ቘልዓ ኻብ ዝጥነስ ጀሚሩ ኽሳዕ ዕለተ ሞቱ ናይ እግዚኣብሄር ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፥ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተዪ፤ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብልዒ’ ኢሉኒ” ኢላ ነገረቶ። 8 ማኑሄ ድማ ንእግዚኣብሄር “ኦ ጐይታ! እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ ኸመይ ጌርና ኸም እነዕብዮ ኽነግረናስ፥ በይዛኻ መሊሱ ይምፅአና” ኢሉ ለመነ። 9 እግዚኣብሄር ድማ ቓል ማኑሄ ሰምዐ፤ እታ ሰበይቲ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢላ እንተላ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር መሊሱ መፀ፤ ሰብኣያ ማኑሄ ግና ምስኣ ኣይነበረን። 10 እታ ሰበይቲ ድማ ብጕያ ናብ ሰብኣያ ኸይዳ “እቲ ሓደ መዓልቲ መፂኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፥ እንሆ ተገሊፁለይ” ኢላ ነገረቶ። 11 ማኑሄ ኸዓ ተሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ኸደ፤ ናብቲ ሰብኣይ መፂኡ ድማ “ነዛ ሰበይቲ ዝተዛረብካያ ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ፥ “እወ፥ ኣነ እየ” በሎ። 12 ማኑሄ ድማ “እዝ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ስርዓት እቲ ቘልዓ እንታይ እዩ? እንገብረሉኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። 13 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እታ ሰበይቲ፥ ካብቲ ዅሉ ዝነገርክዋ ትጠንቀቕ። 14 ካብ ወይኒ ኻብ ዝርከብ ኵሉ ኣይትብላዕ፤ ወይንን ካልእ ዘስክር መስተን ኣይትስተ፤ ኵሉ ርኹስ ዝኾነውን ኣይትብላዕ፤ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝክዋ ድማ ትሓሉ” በሎ። 15 ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “ማሕስእ ኣዳሊና ኽሳዕ እንቕርበልካ በይዛኻ ፅናሕ” በሎ። 16 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄ “እንተ ፀናሕኹውን ምግብኻ ኣይበልዕን እየ። ዝቃፀል መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣቕርበሉ” በሎ። ማኑሄ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። 17 ማኑሄ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር “እቲ ቓልካ ምስ ተፈፀመ፥ ምእንቲ ኽነኽብረካስ፥ ስምካ መን እዩ?” በሎ። 18 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ስመይ እትጥይቐኒ? ስመይ ‘መስተንክር’ እዩ” በሎ። 19 ማኑሄ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፥ ኣብ ልዕሊ ኰዅሒ ንእግዚኣብሄር ኣቕረበ። ሽዑ ማኑሄን ሰበይቱን እናረአዩ እቲ መልኣኽ ተኣምራት ገበረ። 20 እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ እንተሎ፥ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ውሽጢ ሃልሃልታ መሰውኢ ዓረገ። ማኑሄን ሰበይቱን እዙይ ምስ ረአዩ፥ ብገፆም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። 21 እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኑሄን ንሰበይቱን ድሕሪኡ ኣይተርኣዮምን። ሽዑ ማኑሄ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ ፈለጠ። 22 ማኑሄ ድማ ንሰበይቱ “ንእግዚኣብሄር ርኢናዮ ኢና እሞ፥ ብርግፅ ክንመውት ኢና” በላ። 23 እታ ሰበይቱ ግና “እግዚኣብሄር ክቐትለና እንተ ዝደልስ፥ ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፤ እዝ ዅሉውን ኣይመርአየናን፤ ከምዙይ ዝበለ ነገር ድማ በዝ ጊዜ እዙይ ኣይመስምዐናን” በለቶ። 24 እታ ሰበይቲ ወዲ ወለደት፤ ሶምሶን ኢላ ኸዓ ሰመየቶ። እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ፤ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። 25 ኣብ ሰፈር ዳን ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን እንተሎ ድማ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ከነቓቕሖ ጀመረ። 1 ሶምሶን ናብ ተምና ወረደ፤ ኣብ ተምና ኸዓ ኻብ ኣጓላት ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ጓል ረአየ። 2 ተመሊሱ ድማ ነቦኡን ንኖኡን “ኣብ ተምና ሓንቲ ፍልስጥኤማዊት ጓል ሪአ ኣለኹ እሞ፥ ሕዚ ንኣኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም። 3 ኣቦኡን እኖኡን ድማ “ካብቶም ዘይግሩዛት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ ኽተእቱ እትኸይድስ፥ ኣብ ኣዝማድካን ኣብ ህዝብናንዶ ጓል ስኢንካ ኢኻ?” በልዎ። ሶምሶን ከዓ ነቦኡ “ብዓይነይ ባህ ኢላትኒ እያሞ፥ ንኣኣ ደኣ ኣምፅኡለይ” በሎ። 4 ኣቦኡን እኖኡን ግና፥ እግዚኣብሄር ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ምኽንያት ይደሊ ነበረ እሞ፥ እዙይ ካብኡ ኸም ዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ጊዜ እቲኣ ኸዓ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ። 5 ሽዑ ሶምሶንን ኣቦኡን እኖኡን ናብ ተምና ወረዱ፤ ናብቲ ኣብ ተምና ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ በፅሐ ድማ፥ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ መፆ። 6 መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብኡ ወረደ፤ ኣብ ኢዱ ዝኾነ መሳርሒ እንተይሓዘ፥ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕዎ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ኾነ ንኖኡ ኣይነገሮምን። 7 ወሪዱ ድማ ነታ ጓል ተዛረባ፤ የመናውን ባህ በለቶ። 8 ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ኸዓ ኽምርዓዋ ተመለሰ፤ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኽርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ ኣብቲ ገምቢ ኣንበሳ፥ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። 9 በእዳዉ ወሲዱ ኸዓ ፈቐዶ መንገዲ እናበልዐ ኸደ፤ መፂኡ ድማ ነቦኡን ንኖኡን መዓር ሃቦም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ነቲ መዓር ካብ ገምቢ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። 10 ኣቦኡ ድማ ነታ ጓል ክሪኣ ወረደ፤ እቶም መናእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩሞ፥ ሶምሶን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። 11 ምስ ረአይዎ ድማ፥ ምስኡ ዝኾኑ ሰላሳ ኣዕርኽቲ ኣምፅኡሉ። 12 ሶምሶን ከዓ ንኣኣቶም “ኣነ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረኩም እየ እሞ፥ ንእኡ በዘን ሸውዓተ መዓልቲ ናይዝ ድግስ ትርጕሙ ገሊፅኩም እንተ ነጊርኩምኒ፥ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክህበኩም እየ። 13 ክትነግሩኒ እንተ ዘይክኢልኩም ግና፥ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ሃሪ ቐሚሽን ሰላሳ ቕያር ክዳንን ክትህቡኒ ኢኹም” በሎም። ንሳቶም ከዓ “ክንሰምዖስ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይካ ንገረና” በልዎ። 14 ሽዑ ንሱ “ካብቲ በላዒ መብልዕ፥ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወፀ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ነቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ብሰለስተ መዓልቲ ኽነግርዎ ኣይከኣሉን። 15 ብራብዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ንሰበይቲ ሶምሶን “ንሰብኣይኪ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ክነግረና ሓባብልዮ፤ እንተ ዘይኮነ ንኣኽን ንስድራ ኣቦኽን ብሓዊ ኽነቃፅለኩም ኢና፤ ክትገፉና ዲኹም ዝፀዋዕኹምና?” በልዋ። 16 ሽዑ ሰበይቲ ሶምሶን “ትፀልአኒ ኢኻ፤ ንህዝበይ ዝነገርካዮም ሕንቅሕንቅሊተይ፥ ንኣይ ትርጕሙ ኣይገለፅካለይን ኢኻ እሞ፥ ኣይትፈትወንን ኢኻ” እናበለት ኣብ ቅድሚኡ ትበኪ ነበረት። ንሱ ድማ ንኣኣ “እንሆ፥ ነቦይን ንኖይን እኳ ዘይገለፅኩሎምስ፥ ንኣኺዶ ኽገልፀልኪ እየ?” በላ። 17 ንሳ ኸዓ በተን ሸውዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ቅድሚኡ ኾይና በኸየት። ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፥ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ትርጕሙ ገለፀላ፤ ንሳ ድማ ትርጉም እቲ ሕንቅሕንቅሊተይ ንደቂ ዓዳ ገለፀትሎም። 18 እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸዓ በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ፀሓይ እንተይዓረበት፥ “ካብ መዓር ዝጥዕምስ እንታይ ኣሎ? ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን ኣሎ?” ኢሎም መለሱሉ። ሶምሶን ድማ፦ “ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፥ ነዝ ሕንቅሕንቅሊተይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም” በሎም። 19 መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ናብ ሶምሶን መፀ፤ ናብ ኣስቀሎና ወሪዱ ድማ፥ ካብኣቶም ሰላሳ ሰባት ቀተለ፤ ንኣኣቶም ገፊፉ ድማ፥ ነቶም ትርጉም ሕንቅሕንቅሊተይ ዝገለፁሉ እቲ ቕያር ክዳውንቲ ሃቦም። በዙይ ኰርዩ ናብ እንዳ ኣቦኡ ኸደ። 20 እታ ሰበይቲ ሶምሶን ከዓ ነቲ ኻብቶም ዝተሓባበሩ ኣዕርኽቱ ንሓዲኦም ኮነት። 1 ድሕሪ ቑሩብ መዓልቲ ዓፂድ ስርናይ ምስ ኮነ፥ ሶምሶን ማሕስእ ሒዙ ንሰበይቱ ኽጥይቓ ኸደ፥ “ናብ ሰበይተይ ናብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣለኹ” ድማ በለ፤ ኣቦኣ ግና ኽኣቱ ኣይፈቐደሉን። 2 ኣቦኣ ኸዓ “ፈፂምካ ዝፀላእኻያ መሲሉንስ ንዓርክኻ ኣመርዕየያ እየ፤ ሕዚ ግና ኽንዲ ኽንዳኣ ነታ ኻብኣ እትፅብቕ ንእሽተይ ሓፍታ ኣእትዋ” በሎ። 3 ሶምሶን ከዓ “ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ፈደኽዎም፥ በደል የብለይን” በሎም። 4 ሶምሶን ድማ ኸይዱ ሰለስተ ሚእቲ ውኻርያ ሓዘ፤ ከክልተ ውኻርያ ገይሩ ኸዓ ጭራ ምስ ጭራ ኣታሓሒዙ ኣሰረን፤ ኣብ ማእኸለን ኣብ መንጎ ጭራአን ድማ ሓደ ሽግ ገበረለን። 5 ነቲ ሽጋት ብሓዊ ኣቃፂሉ ኸዓ ናብ ማእኸል ዝሩእ ፍልስጥኤማውያን ሰደደን፤ ኵልሳሳትን ዘይዕፁድ እኽልን ኣትክልቲ ወይንን ኣውሊዕን ከዓ ነደደ። 6 ሽዑ ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ዝገበረ መን እዩ?” ኢሎም ጠየቑ። “እቲ ቲምናታዊ ሰብኣይ፥ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፥ ሶምሶን ሰብኣይ ጓሉ እዩ” ኢሎም መለሱሎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፥ ንኣኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣቃፀልዎም። 7 ሶምሶን ከዓ “እምበኣር እዙይ ካብ ገበርኩም፥ ኣነ ኸዓ ገና ኣፀቢቐ ሕነ እንተይፈደኹ ኣይሓድገኩምን እየ” በሎም። 8 ብጭከና ወቒዑ ኸዓ ወድኦም፤ ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ተቐመጠ። 9 ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፤ ንሌሒ ኸዓ ወረርዋ። 10 ሰብ ይሁዳ ድማ “ስለ ምንታይ ክትዋግኡና ናባና ደየብኩም?” በልዎም። ንሳቶም ከዓ “ንሶምሶን ክንኣስሮ፥ ከምቲ ዝገበረና ድማ ኽንገብሮ ኢና ዝደየብና” በልዎም። 11 ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ናብ በዓቲ ኰዅሒ ዔጣም ወረዱ፤ ንሶምሶን ከዓ፥ “ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? እዝ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ?” በልዎ። ንሱ ኸዓ “ኸምቲ ዝገበሩኒ እየ ዝገበርክዎም” በሎም። 12 ንሳቶም ከዓ “ኣሲርና ናብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ክነሕልፈካ ኢና ዝወረድና” በልዎ። ሶምሶን ድማ “እምበኣር ንስኻትኩም ከም ዘይትቐትሉኒ መሓሉለይ” በሎም። 13 ንሳቶም ከዓ “ኣይፋልናን፥ ኣፅኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ክነሕልፈካ ኢና እምበር፥ ምቕታልስ ኣይንቐትለካን ኢና” በልዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ኻብቲ ኰዅሒ ኣውፅእዎ። 14 ናብ ሌሒ ምስ ቀረበ ኸዓ፥ እቶም ፍልስጥኤማውያን ዕልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፤ እቲ ኣብ ቀላፅሙ ዝነበረ ገመዳት ከዓ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኾነ። እቲ መእሰሪኡ መኺኹ ኸዓ ኻብ ኣእዳዉ ወደቐ። 15 ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ረኸበ፤ ብእኡ ገይሩ ድማ ሽሕ ሰባት ቀተለ። 16 ሶምሶን ከዓ “ብምንጋጋ ኣድጊ ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ዀመርኩ፤ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰባት ቀተልኩ” በለ። 17 እዙይ ምስ በለ፥ ነቲ ምንጋጋ ኣድጊ ደርበዮ፥ ነታ ቦታ ድማ ራማትሌሒ ኢሉ ሰመያ። 18 ሶምሶን ከዓ የመና ፀምአ እሞ “እዝ ዓብዪ ምድሓን እዙይ ንባርያኻ ሃብካ፤ ሕዚ ኸዓ ብፅምኢ ማይ ክመውት፥ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግሩዛትውን ክወድቕ ድየ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ። 19 ሽዑ እግዚኣብሄር ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ዓማቝ ቦታ ሰንጠቓ፤ ካብኣ ድማ ማይ ወፀ። ምስ ሰተየ ድማ ሓይሉ ተመለሰ እሞ ሓወየ። ስለዙይ ስማ ዓይንሃቆሬ ኢሉ ሰመያ፤ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ። 20 ሶምሶን ብዘመን ፍልስጥኤማውያን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት መርሖም። 1 ሶምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፤ ኣብኣ ኸዓ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረአየ እሞ ናብኣ ኣተወ። 2 ንሰብ ጋዛ ኸዓ “ሶምሶን ኣብዙይ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ኸበብዎ፥ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸዓ ምሉእ ለይቲ ኣድብዮም ተፀበይዎ። “ምስ ወግሐ ኽንቀትሎ ኢና” ኢሎም ድማ ምሉእ ለይቲ ሓለውዎ። 3 ሶምሶን ከዓ ኽሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ፥ ተሲኡ ነቲ መዓፁ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ፈነቓቒሉ፥ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኬብሮን ዘሎ ጎቦ ኣደየቦ፤ ኣብኡውን ኣንበሮ። 4 ድሕሪዙይ ከዓ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ። 5 እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ኸይዶም “ኣሲርና ኽነድክሞስ ከመይ ጌርና ኸም እነሰንፎ፥ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትፈልጢ ሓባብልዮ፤ ንሕና ኸዓ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ቅርሺ ብሩር ክንህበኪ ኢና” በልዋ። 6 ደሊላ ድማ ንሶምሶን፦ “እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፥ ብምንታይ እንተ ኣሰሩኻኸ ትደክም? በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ። 7 ሶምሶን ድማ “ብሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፤ ከም ማንም ሰብ ከዓ እኸውን” በላ። 8 ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ሸውዓተ ሓድሽ ዘይነቐፀ ርሑስ ምራን ኣምፅኡላ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ። 9 ኣብ ውሻጠኣ ሕቡኣት ሰባት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ “ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። ሽዑ ነቲ ምራውንቲ፥ ሓዊ ዝነኽኦ ፈትሊ ኸም ዝብተኽ፥ ብትኽትኽ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈለጠን። 10 ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “እንሆ፥ ኣላጊፅካለይ፥ ነቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ሕዚ እውን ብምንታይ ከም እትእሰር፥ በይዛኻ ንገረኒ” በለቶ። 11 ንሱ ድማ “ዝኾነ ስራሕ ብዘይ ተሰርሐሉ ሓድሽ ገመድ ኣፅኒዖም እንተ ኣሰሩኒ እደክም፥ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ እኸውን” በላ። 12 ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሶምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። “ሶምሶን! ፍልስጥኤማውያን እንሆ መፂኦምኻ!” በለቶ። እቶም ሕቡኣት ሰባት ከዓ ኣብቲ ውሻጠ ነበሩ። ንሱ ግና ኻብ ቀላፅሙ ኸም ፈትሊ በተኾ። 13 ደሊላ ኸዓ ንሶምሶን “ክሳዕ ሕዚ ኣላጊፅካለይ፤ እቲ ሓቂውን ኣይነገርካንን፤ ብምንታይ ከም እትእሰር እንዶ ንገረኒ” በለቶ። ንሱ ኸዓ “ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ፀጕሪ ርእሰይ፥ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፥ ኣብ ሽኻል ማእለማ ኸዓ እንተ ኣሰርክዮ፥ ከም ኵሉ ሰበይ ድኹም እኸውን” በላ። 14 ሶምሶን ምስ ደቀሰ፥ ደሊላ ነቲ ዝተቘነነ ፀጉሪ ርእሱ ምስቲ ቕጥኒ ጐንጐነቶ፤ ኣብ ሽኻል ኣሲራ ድማ፥ “ሶምሶን! እንሆ ፍልስጥኤማውያን መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራቢሩ፥ ነቲ ሽኻል ማእለማ ነቓቐሎ፤ ነቲ ቕጥኒ ድማ በታተኾ። 15 ንሳ ኸዓ ሶምሶን “ልብኻ ምሳይ ዘየለስ ከመይ ጌርካ ኢኻ ‘እፈትወኪ እየ’ እትብለኒ ዘለኻ? ሰለስተ ሻዕ ኣታሊልካኒ፤ እዝ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን” በለቶ። 16 ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት። 17 ኵሉ ናይ ልቡ ኸዓ ገለፀላ “ኣነ ኻብ ከርሲ እኖይ ጀሚረ ንኣምላኽ ዝተወፈኹ ናዝራዊ እየ እሞ ርእሰይ ተላፅየ ኣይፈልጥን፤ ስለዙይ እንተ ተላፀኹ፤ ሓይለይ ይደክም፤ ከም ኵሉ ሰብ ከዓ ድኹም እኸውን” በላ። 18 ደሊላ ድማ ዅሉ ናይ ልቡ ኸም ዝገለፀላ ምስ ፈለጠት ነቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ፥ “ኵሉ ናይ ልቡ ገሊፁለይ እዩ እሞ ሕዚ ንዑ” ኢላ ፀውዐቶም። ሽዑ እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ሒዞም ናብኣ መፁ። 19 ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ። 20 “ሶምሶን፥ ፍልስጥኤማውያን እኒሀዉ መፂኦምኻ!” በለቶ። ንሱ ድማ ኻብ ድቃሱ ተበራበረ፤ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ስለ ዘይፈለጠ ኸዓ፥ ከም ቀደሙ፥ “ተቓሊሰ ኽወፅእ እየ” ኢሉ ሓሰበ። 21 እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ። 22 ግና ምስተላፀየ ፀጕሪ ርእሱ ኸም ብሓድሽ ክበቍል ጀመረ። 23 እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያን ከዓ “ኣምላኽና ንሶምሶን ፀላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ። 24 እቶም ህዝቢ ንሶምሶን ምስ ረአይዎ ድማ “ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ፀላኢና፥ ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና” ኢሎም ንኣምላኾም ኣመስገኑ። 25 ልቦምውን የመና ምስ ተሓጐሰ “ንሶምሶን፥ ኣብ ቅድሜና ኽፃወት ፀውዕዎ” በሉ። ንሶምሶን ከዓ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣምፅእዎ፤ ኣብ ቅድሚኣቶም ኮይኑውን ይፃወት ነበረ፤ ኣብ መንጎ ኣዕምዲ ኸዓ ደው ኣበልዎ። 26 ሶምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ቘልዓ “ነቲ ኣዳራሽ ፆይሮም ዘለዉ ኣዕምዲ ሒዘ ኽፅግዖምስ በይዛኻ ናብኣቶም ኣፀግዐኒ” በሎ። 27 እቲ ኣዳራሽ ድማ ብሰብኡትን ኣንስትን መሊኡ ነበረ። እቶም ሹመኛታት ፍልስጥኤማውያንውን ኵሎም ኣብኡ ነበሩ። ሶምሶን ክፃወት እንተሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ኾይኖም ዝሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩ። 28 ሶምሶን ከዓ “ኦ እግዚኣብሄር! ኦ ጐይታ! በይዛኻ ዘክረኒ፤ ኣታ ኣምላኸይ፥ ንፍልስጥኤማውያን ሕዚ ሕነ እዘን ክልቲአን ኣዒንተይ ክፈድዮምስ፥ በይዛኻ ንሓደ ጊዜ ጥራሕ ሓይሊ ሃበኒ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 29 ሽዑ ሶምሶን ነቶም ነቲ ገዛ ዝፆሩ ኽልተ ናይ ማእኸል ኣዕምዲ፥ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸዓ ብፀጋሙ ሓዞ። 30 ሶምሶን ድማ፦ “ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሕለፍ” ኢሉ ብምሉእ ሓይሉ ነቲ ኣዕምዲ ደፍኦ፤ እቲ ኣዳራሽ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሹመኛታትን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐ። ካብቶም ብህይወቱ እንተሎ ዝቐተሎም እቶም ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ። 31 ሽዑ ኣሕዋቱን ኵሎም ስድራ ኣቦኡን ወሪዶም ሬሳኡ ሒዞም ደየቡ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኑሄ ኣብ መንጎ ፆርዓን ኤሽታዖልን ቀበርዎ። ሶምሶን ንደቂ እስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።

21 እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ኣብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብሞቕሕ ነሃስ ኣሰርዎ፤ ኣብቲ ቤት እሱራት ከዓ ይጥሕን ነበረ።

ዘሑልቍ 6 · መሳፍንት 13–16 · መሳፍንት 16:21 · ትመ15

ኣብ ህይወቱ ፍሉይ ጸዋዕታ ኣምላኽ ነበሮ። ኣብ ቅዱስ ጥንሲ ዝነበሩ ሰለስተ ሰባት ኣለዉ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ነብዪ ሳሙኤልን መጥምቕን እዮም። ብሓፈሻ ናዝራዊነት ፍቓዳዊ ነበረ፡ ንሓጺር እዋን ድማ ነበረ (ዘሁ. 6) ፡ ግናኸ ከም ሳሙኤልን ዮሃንስን ክሳዕ ሞት ነበረ።

ንየሆዋ ብምሉእ ምፍላይ ዘርኢ ሰብ ነበረ። ኣምላኽ ነቶም ንኣገልግሎቱ ዚጥቀመሎም ሰባት ምፍላይ ይደሊ። ታሪኽ ኣብ መሳፍንቲ 13–16 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡ ከመይሲ ብዘይምእዛዝን ሓጢኣተኛ ባህርይን ናዝራዊነቱ ኣርከሰ። ኣብ መወዳእታ፡ ምስጢር ሓይሉ ገለጸ፡ ብኢድ ድማ ዓይኑ ኣጥፍአ (16:21) ። እዚ ኣብ ዝነበረ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ—ኣካላዊ መንፈሳዊ ውድቀቱ የንጸባርቕ ነበረ።

ኣብ ምርኮ፡ ዳግማይ ክበቁል ጀመረ፡ ከምኡ ድማ ሓይሉ። ንሳምሶን ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ናብ ቤተ መቕደሶም ኣምጽእዎ፡ ንኣምላኾም እናኣመስገኑ «ከም ዚጻወት»። ንኣምላኽ ንመወዳእታ ጸውዖ፡ «ኣቱም እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ በጃኹም፡ ዘክሩኒ!» ኣምላኽ ድማ መለሰሉ፡ ድማ ነቲ ቤተ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኣውደቖ፡ «ስለዚ እቶም ብሞቱ ዝቐተሎም ካብቶም ብህይወቱ ዝቐተሎም ዝበዝሑ ነበሩ» (16:30) ።

ኣብ እብራውያን 11:32 ብእምነት ተመስገነ። በዚ መገዲ እዚ፡ ብሞት «ንሓይሊ ሞት ዝነበሮ፡ ማለት ንዲያብሎስ» ዘጥፍአ ዜመልክት ተባሂሉ ክርአ ይከኣል (እብ. 2:14) ። ኣምላኽ ንሳምሶን ብሞት ዓወት ሃቦ። ኣብዛ መዓልቲ እግዚኣብሔር፡ ንዓብዪ ዓዋቲና፡ ንሓቀኛ ኣምላኽ፡ ኣብታ ዝተዋሕጠላ ፡ ሞቱ እናቐረበ ኸሎ፡ «ዘክሩኒ» ዝበለ፡ ነኽብሮ።

ብመጀመርታ ኣብ https://thelordisnear.org ተኣሊዩ። ብሰውራዊ ኣእምሮ ተተርጒሙ፣ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ተኣቲቶም — ዝኾነ ኣገናዕቲ ክፈቱ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ንኽትንብቡ።

© Bible Society of Ethiopia

ፎቶ ብሮኒ ሽሙትዝ ኣብ Unsplash (https://unsplash.com/photos/a-very-tall-waterfall-in-the-middle-of-a-mountain-beO051yJ-iM)

ናይ ቀረባ መዓልታት

ኩሉ ርአ
  • 22 ሚያ 2024

    ቃል ኣምላኽ ክስበኽን ክምሃርን ከሎ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዝፍጽም? ዳዊት ቃል ኣምላኽ «መብራህቲ እግረይን ብርሃን መገደይን» ከም ዝዀነን...

  • 20 ሚያ 2024

    ወንጌል ማርቆስ ንጐይታ የሱስ ከም ባርያን ነብይን ኣምላኽ ይገልጾ። ንሱ ድማ ደቀ መዛሙርቲ ኺስዕብዎን ንሱ ናብ ሰማይ ምስ ከደ ኣብዛ ዓለም...

  • 19 ሚያ 2024

    ኣይሁድ ኣብ ባቢሎን ንኣሰርተታት ዓመታት ምርኮ ምስ ጸንሑ፡ ኣምላኽ ንፋርሳዊ ገዛኢ ቂሮስ ንሓርነቶም ኬውጅህ ኣተባብዖ። ልዕሊ 40,000 ናብ...

  • 17 ሚያ 2024

    እዞም ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ሓረጋት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ኣገልግሎት እግዚኣብሔር ዝተሰከሞም ገለ መከራታት ይዝርዝሩ። ኣብዚ...

  • 16 ሚያ 2024

    ዮሴፍ ብብዙሕ መገዲ ንክርስቶስ ዜመልክት ፍሉይ ሰብ እዩ፡ ብኣሕዋቱ ዝተጸልአ፡ ዝተነጽገን ንግብጻውያን ዝተሸጠን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ...

  • 15 ሚያ 2024

    ሮሜ 9–11፡ ነቲ ናብ ኩሉ ዓለም ዚበጽሕ ጸጋ ወንጌል ምስቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝተገብረ ፍሉይ ተስፋታት ንምስምማዕ እዩ ተጻሒፉ። ሃዋርያ...

  • 12 ሚያ 2024

    ኤልያስ ኣብ ሓደ ኻብቲ ዝጸልመተ ታሪኽ እስራኤል እዩ ዝመጽእ። ኣሓብ ንጉስ ነይሩ፣ ንሱ ድማ ምስ ሰበይቱ ኤልዛቤል፣ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚኡ...