3 ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
1 እምበኣር ምስ ክርስቶስ፥ ካብ ሞት ተሲእኹም እንተ ደኣ ዄንኹም፥ ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ተቐሚጥዎ ዘሎ፥ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። 2 ኣእምሮኹም፥ ናብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፥ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። 3 ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ። 4 እቲ ህይወትና ዝኾነ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለፁ ኢኹም።
5 ስለዙይ ኣባኻትኩም ንዘሎ ምድራዊ ድልየትኩም ቅተሉ፤ እዙይ ከዓ፦ ዝሙት፥ ርኽሰት፥ ፍትወት ስጋ፥ ክፉእ ትምኒት፥ እቲ ኣምልኾ ጣዖት ዝኾነ ስስዐ እዩ። 6 ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይእዘዙ ውሉድ ክወርድ እዩ። 7 ንስኻትኩምውን፥ ቀደም ነዝ ነገራት እዙይ እናገበርኩም ትነብሩ ኔርኩም። 8 ሕዚ ግና ንስኻትኩም፥ ቍጥዓ፥ ንደት፥ ክፍኣት፥ ካብ ኣፍኩም ፀርፊ፥ ዘፀይፍ ዘረባን፥ ነዚኣቶም ኵሎምን፥ ካባኻትኩም ኣርሕቑ። 9-10 ከምኡውን ነቲ ኣረጊት ሰብነት፥ ምስ ኵሉ ግብሩ ቐንጢጥኩም፥ ነቲ ንፈጣሪኡ ምእንቲ ኽመስል፥ ብፍልጠት ዝሕደስ ዘሎ ሓድሽ ሰብነት ስለ ዝለበስኩም፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓሳሰዉ። 11 ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፥ ኣብኡስ ግሪካውን ኣይሁዳውን፥ ግሩዝን ዘይግሩዝን፥ ዝሰልጠነን ዘይሰልጠነ ኣረማውን፥ ባርያን ጭዋን ዝብል፥ ኣፈላላይ የለን።
12 እምበኣር እግዚኣብሄር ዝሓረዮም ቅዱሳንን ፍቑራትን ህዝቢ ኸም ምዃንኩም፥ ምሕረት፥ ለውሃት፥ ትሕትና፥ ሕያዋይነት፥ ትዕግስቲ፥ ልበሱ። 13 ንስንሳትኩም ተኸኣኣሉ፤ ሓደ ሰብ፥ ኣብ ካልእ ቅር ዘብል ነገር እንተ ሃልይዎ፥ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፥ ይቕረ በሉ። 14 ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ፥ መእሰሪ ፍፁምነት እያ እሞ፥ ንፍቕሪ ልበስዋ። 15 ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ኴንኩም፥ ንሰላም ተፀዊዕኹም ኢኹም እሞ፥ ሰላም ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፤ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። 16 ቃል ክርስቶስ ብምልኣት ይሕደርኩም፤ ብዅሉ ጥበብ ንስንሳትኩም ተመሃሃሩን ተመዓዓዱን፤ መዝሙርን ቅኔን መንፈሳዊ ዜማን፥ ብልብኹም ንእግዚኣብሄር ዘምሩ። 17 ብቓል ኮነ ወይ ብግብሪ እትገብርዎ ዅሉ፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግበርዎ፤ ብእኡ ኸዓ፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ ኣመስግንዎ።
18 ኣትን ኣንስቲ፥ ንእግዚኣብሄር ደስ ብዘብል መንገዲ፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 19 ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ፍተዉወን፤ መረርቲ እውን ኣይትኹንወን። 20 ኣቱም ውሉድ፥ ንእግዚኣብሄር የሐጕስ እዩ እሞ፥ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 21 ኣቱም ወለዲውን፥ ተስፋ ምእንቲ ኸይቘርፁ፥ ንደቕኹም ኣይተቘጥዕዎም። 22 ኣቱም መገልገልትውን፥ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩም ዝኾኑ፥ ንገፅ ረአ፥ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኮነስ፥ ብቕኑዕ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራሕኹም፥ ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 23-24 ነቲ ርስቲ፥ ከም ዓስቢ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ ፈሊጥኩም፥ ኵሉ እትገብርዎ፥ ንሰብ ዘይኮነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፥ ካብ ልቢ ግበርዎ። እቲ እተገልግልዎ ጐይታ፥ ክርስቶስ እዩ እሞ። 25 እቲ ኽፉእ ዝገበረ፥ ክንዲ እቲ ኽፉእ ግብሩ ኽፍደ እዩ፤ ኣብ እግዚኣብሄር ኣድልዎ የለንሞ።
1 እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ። 2 ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ።
3 ንቅዱሳን ኣይግባእን እዩ እሞ፥ ዝሙት፥ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት፥ ከትሪ ወይ ስስዐ፥ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ። 4 እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ምስጋና እምበር፥ ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ዋዛ፥ ኣባኻትኩም ክስማዕ ኣይግባእን እዩ። 5 ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥ ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ።
6 ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። 7 እምበኣር ምስኣቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። 8 ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ። 9 ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ። 10 እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፥ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ። 11 ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤ 12 እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ፥ ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍር እዩ። 13 ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ።
14 ስለዙይ ከዓ እዩ፥
“ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤
ካብ ምዉታንውን ተስእ፤
ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ።
15-16 እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ። 17 ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ። 18 ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። 19 ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ። 20 ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ።
21 ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ። 22 ኣትን ኣንስትውን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርክን፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 23 ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ። 24 ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ፥ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።
25 ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። 26 ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥ 27 ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ። 28 ከምኡ ኸዓ ኣቱም ሰብኡት፥ ነተን ኣንስትኹም፥ ከም ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንባዕሉ እዩ ዘፍቅር። 29 ከምቲ ክርስቶስ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸና፥ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር፥ ሰብነቱ ዝፀልእ ሓደኳ የለን። 30 ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና። 31 “ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይሓብር፤ ክልቲኦም ከዓ፥ ሓደ ኣካል ይኾኑ።” 32 እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ። 33 ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ።
ቈላስይስ 3:3 · ቈላስይስ 3 · ኤፌሶን 5 · ትመ15
ኣብ ሕሳብ ኣምላኽ ዋጋ ዘለዎ ነገር የልቦን፡ እንተ ዘይኮይኑ እቲ ካብ ኣባላቱ ዝፈስስ ህይወት ክርስቶስ ጥራይ እዩ። እቲ ካብቲ ህይወት እቲ ብቐጥታ ዘይመጸ ኹሉ ፍረ፡ ኣብ ሓሳባት ኣምላኽ ብፍጹም ዋጋ የብሉን። ንጥፈታት እቲ ብሉይ ባህሪ ዋጋ ዘይብሉ ጥራይ ዘይኮነስ ሓጢኣተኛ እዩ። ገለ ተፈጥሮኣዊ ዝምድናታት ኣሎና፡ እዚ ድማ ብኣምላኽ ዝተፈቕደ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ክርስቶስ ኣብነትና እዩ። ንኣብነት፡ “ኣቱም ሰብኡት፡ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዝፈተዋ፡ ንኣንስቲኹም ፍተዉ።” ከም ወለድን ውሉዳትን፡ ጐይቶትን ኣገልገልትን ተፈሊጥና ኢና፡ ብዛዕባ ኣካይዳና ድማ ኣብዚ ቅዱስ ዝምድናታት እዚ ተመሪሕና ኢና። ግናኸ እዚ ኹሉ ኣብቲ ሓድሽ መሰረት ህይወት ትንሳኤ ኣብ ክርስቶስ እዩ (ኮሎሴ 3፡ ኤፌሶን 5፡ 6 ርአ)።
እቲ ብሉይ ሰብ ብፍጹም ኣይፍለጥን። ከም ዝተሰቕለ፡ ዝሞተ፡ ዝተቐብረ ድማ ይርአ፡ ንሕና ድማ ከም ዝሞተ ኽንሓስቦ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣካላትና ኸም ዝሞቱ ኽንቖጽሮም፡ ከምቲ ክርስቶስ ዝኸደ ድማ ክንመላለስ ተጸዊዕና ኢና። ህይወት ምትዕርራቕ ርእስና ኽንነብር፡ ህይወት ክርስቶስ ክንገልጽ፡ ንእኡ ኽንምስል ኣሎና። እዚ ተግባራዊ ክርስትና እዩ። ንሕና ድማ ብዝበለጸ ኽንርድኦ ንኽእል! ኣብ ሕሳብ ኣምላኽ ዋጋ ዘለዎ ነገር የልቦን፡ እንተ ዘይኮይኑ እቲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ካብ ምእመን መዓልታዊ ዝግለጽ ህይወት ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑ ኽንዝክር ንኽእል! እቲ ዝደኸመ ምግላጽ ናይዚ ህይወት እዚ ንኣምላኽ ጥዑም ሽታ እዩ። እቲ ዝዓበየ ጻዕሪ ናይ ስጋዊ ሃይማኖት ጥራይ፡ እቲ ዝኸበረ መስዋእቲ፡ እቲ ዝዓበየ ስርዓታትን ስነ-ስርዓታትን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ “ምዉት ግብሪ” ጥራይ እዩ።