ወላዲኻ ወይ መምህርካ፡ “ሓደ ነገር ጥራይ እዩ ክትገብሮ ዝደልየካ” ወይ “እዚ ሓደ ነገር እዚ ጥራይ ዘክር” እንተ በለካ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ ኢኻ! ነቲ ዝተነግረካ ሓደ ነገር እንተ ዘይኣተኩርካሉ፡ ምናልባት ኣብ ሽግር ክትወድቕ ኢኻ! ገለ ፍሉጣት መዘኻኸሪታት ናይ “ሓደ ነገር” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
• ሓደ ነገር ይጐድለካ (ማር. 10:21) ፡ ምድሓን
• ሓደ ነገር እፈልጥ (ዮሃ. 9:25) ፡ ምትእምማን
• ሓደ ነገር የድሊ (ሉቃ. 10:41–42) ፡ ሓድነት
• ሓደ ነገር እገብር (ፊል. 3:13–14) ፡ ኣገልግሎት
• ሓደ ነገር ደለኹ (መዝ. 27:4) ፡ ትጽቢት
ኣብቲ ቀዳማይ ኣብነት፡ ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሒ ንጐይታ የሱስ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምውራስ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ሓተቶ። እንተ ሓሲብካሉ፡ እቲ ሕቶ ትርጉም የብሉን። ውርሻ ንምርካብ ገለ እኳ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ሓደ ሰብ ክመውት ኣለዎ እሞ ንስኻ ድማ ከም ህያብ ክትቕበሎ ኣለካ! እዚ ሃብታም መንእሰይ እዚ ንሕጊ ብምሕላው ዘለኣለማዊ ህይወት ክወርስ ከም ዝኽእል ሓሲቡ ነይሩ፡ ግን ንምድራዊ ንብረት ብምምጓዕን ንኣቶም ኣምላኹ ብምግባርን፡ ነቲ ቀዳማይን ዳሕረዋይን ትእዛዛት ብሓቂ ሰይርዎም ነይሩ (ዘጸ. 20:3, 17)። ሕጊ ከም ሰንሰለት ዓሰርተ መላግቦታት እዩ፡ ሓደ መላግቦ እንተ ሰበርካዮ፡ እቲ ብምሉኡ ሰንሰለት ይሰበር (ያዕ. 2:10)።
ዘለኣለማዊ ህይወት ክንወርስ እንኽእል ብመስቀል ጥራይ እዩ። ምድሓንና ብምሕላው ሕጊ፡ ጽቡቕ ግብሪ ብምግባር፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ፡ ብጥምቀት ወይ ብኻልእ ገለ እኳ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና (ዮሃ. 1:12–13፤ ገላ. 2:16)። ንዘለኣለማዊ ህይወት ብውልቃዊ እምነት ኣብ ጐይታ የሱስ ክንቕበል ኣሎና፡ ንሱ ድማ ፈቒሩና ንርእሱ ምእንታና ሃበ። ኣብ መስቀል፡ “ተፈጺሙ” ኢሉ ኣወጀ። እቲ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ፤ ክንገብሮ ዝተረፈና ነገር የልቦን፡ እንተ ዘይኮይኑ ነቲ ናይ ጸጋ ህያብ ምቕባል ጥራይ!




