8-9 ሽዑ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኤልያስ “ተስእ እሞ ናብ ሰራፕታ ናይ ሲዶና ኺድ፤ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ ኣብኡ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣለኹ” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መፆ። 10 ኤልያስ ከዓ ተሲኡ ናብ ሰራፕታ ኸደ። ኣብ ደገ እታ ኸተማ ምስ በፅሐ ድማ፥ እንሆ ዕንፀይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንኣኣ ፀዊዑ ኸዓ “በይዛኺንዶ ቑሩብ ዝስተ ማይ ኣምፅእለይ” በላ። 11 ክተምፅእ ኢላ ምስ ተልዓለት ድማ መሊሱ ፀዊዑ “ቍራስ እንጀራውን ብኢድኪ ሒዝኪ ንኽትመፂ እልምነኪ ኣለኹ” በላ።
12 ንሳ ኸዓ “ብዘይ ሕፍኒ ሕሩጭ ኣብ ዕትሮ፥ ቁሩብ ዘይቲ ኸዓ ኣብ መቐርሰሚቶ፥ እንጀራ ኸም ዘይብለይ፥ ብህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እምሕል ኣለኹ። እኒሀኹ ኸዓ ቑሩብ ዕንፀይቲ እኣሪ ኣለኹ፤ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እየ፤ ንእኡ በሊዕናውን ክንመውት ኢና” በለቶ።
13-14 ኤልያስ ከዓ “ኣይትፍርሒ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ‘ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዘዝንመላ መዓልቲ ሕሩጭኪ ኻብ ዕትሮ ኣይውዳእን፤ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶኺ ኣይጐድልን እዩ’ ይብል ኣሎ እሞ፥ ኪዲ፥ ከምቲ ዝበልኪዮ ሰንክቲ፤ ቅድም ግና ኻብቲ ሕሩጭ ንኣይ ንእሽተይ ቅጫ ሰንኪትኪ ኣምፅእለይ፤ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድኽን ሰንክቲ” በላ።
15 ከይዳ ኸዓ ኸምቲ ቓል ኤልያስ ገበረት። ኤልያስን ንሳን ስድራኣን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ። 16 ከምቲ እግዚኣብሄር ብኤልያስ ዝተዛረቦ ቓል እቲ ሕሩጭ ካብ ዕትሮ፥ እቲ ዘይትውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
17 ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ወዲ እታ መበለት ሓመመ። እስትፋሱ ኽሳዕ ዝስእን እቲ ሕማሙ የመና ኸቢድ ነበረ። 18 ሽዑ ንሳ ንኤልያስ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ፥ እንታይ ደኣ ገይረካ? ሓጢኣተይ ክተዘክርን ወደይ ክትቀትልን ዲኻ ዝመፃእኻኒ?” በለቶ።
19 ንሱ ግና “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ኸዓ ናብታ ዝነብረላ ደብሪ ኣደየቦ እሞ፥ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ። 20 ሽዑ ኤልያስ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ስለ ምንታይ ነዛ ኣነ ምስኣ ብእንግድነት ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታል ክፉእ ኣውረድካላ?” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሻዕ ለጥ ኢሉ ድማ “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ በይዛኻ፥ ነፍሲ እዝ ቘልዓ እዙይ ናብ ስጋኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።
22 እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ኤልያስ ሰምዐ፤ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ሓወየ። 23 ኤልያስ ከዓ ነቲ ቘልዓ፥ ካብ ደብሪ እታ ቤት ኣውሪዱ፥ ንኖኡ ሃባ። “ረአዪ፥ ወድኺ ሓውዩ” በላ።
24 እታ ሰበይቲ ኸዓ ንኤልያስ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዝኾንካ፥ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ብኣፍካ ሓቂ ኸም ዝኾነ ሕዚ ፈለጥኩ” በለቶ።
1 ሰብኣያ ኻብ ማሕበር ነቢያት ዝነበረ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳዕ መፂኣ “ሓሽከርካ ሰብኣየይ ሞይቱ እዩ፤ ንሱ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ከም ዝነበረ ኸዓ ትፈልጥ ኢኻ፤ ሕዚ ግና በዓል ዕዳ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም እንሆ መፂኡ ኣሎ” ኢላ ጠርዐት።
2 ኤልሳዕ ድማ “እንታይ እሞ ኽገብረልኪ ትደልዪ? እስኪ ንገርኒ፥ ኣብ ቤትኪ እንታይ ኣሎ?” በላ። ንሳ ኸዓ “ኣነ ገረድካ እንትርፊ ሳርማ ዘይቲ ኣብ ገዛይ ሓንቲኳ የብለይን” በለቶ።
3 ሽዑ ንሱ “ኪዲ እሞ ኻብ ወፃኢ፥ ካብ ኵለን ጐረባብትኺ ጥራሑ ዝኾነ ዓታሩ ኸም ክእለትኪ ኣብዚሕኺ ለምኒ። 4 ምስ ደቅኺ ናብ ገዛኺ እተዊ፤ ነቲ ማዕፆ ድማ ሸጕርዮ፤ ነቲ ዘይቲ ኸዓ ናብ ኵሉ እቲ ዓታሩ ገልብጥዮ፤ ዘዝመልአ ኸዓ ድሕር ኣብልዮ” በላ።
5 ንሳ ድማ ኻብኡ ኸደት እሞ፥ ገዛ ኣትያ ነቲ ማዕፆ ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ሸጐረቶ። እቶም ደቃ ድማ ዓታሩ የቕርቡላ ነበሩ፤ ንሳ ኸዓ ዘይቲ ትግልብጥ ነበረት። 6 ኵሉ እቲ ዓታሩ ምስ መልአ ድማ ንወዳ “መሊስካ ኻልእ ዕትሮ ኣቕርበለይ” በለቶ። ንሱ ድማ “ካልእ ዕትሮ የለን” በላ። እቲ ዘይቲ ኸዓ ቖመ።
7 ሽዑ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ መፂኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ “ኪዲ ነቲ ዘይቲ ሼጥኪ ዕዳኺ ኽፈሊ፤ እቲ ዝተረፈ ኸዓ ንኣኽን ንደቅኽን መናበሪኹም ይኹን” በላ።
8 ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ሓደ መዓልቲ ኤልሳዕ ናብ ሱነም ከደ፤ ኣብኡ ኸዓ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ እንጀራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኵልሻዕ ብኣኣ ኽሓልፍ እንተሎ ድማ እንጀራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ። 9 ንሰብኣያ ኸዓ “እዝ ዅልሻዕ በዙይ ዝሓልፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ምዃኑ ፈሊጠ ኣለኹ። 10 እምበኣር በይዛኻ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንእሽተይ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ጠረጴዛን ወንበርን ቀዋሚ ቐንዲልን ንግበረሉ። ናባና እንትመፅእ ድማ ኣብኣ ክሓድር እዩ” በለቶ።
11 ኤልሳዕ ከዓ ሓደ መዓልቲ ናብ ሱነም መፀ፤ ናብታ ቤት ኣትዩ ድማ ኣብኣ ደቀሰ። 12 ንግያዝ ሓሽከሩ ድማ “ነታ ሱናማዊት ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ኸዓ መፂኣ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። 13 ኤልሳዕ ከዓ ንሓሽከሩ “እንሆ፥ ስለ እቲ ዅሉ ዘርአኽና ሓልዮት እንታይ ክገብረልኪ? ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊትዶ ዝጥየቕ ኣለኪ ክነግረልኪ? በላ” በሎ።
ንሳ ኸዓ “ኣብ ማእኸል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘለኹ” በለት።
14 ኤልሳዕ ድማ ንግያዝ “እንታይ ደኣ እሞ ኽገብረላ እየ” ኢሉ ጠየቖ።
ግያዝ ከዓ “ውሉድ የብላን፤ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
15 ኤልሳዕ ከዓ “ፀውዓያ” በሎ። ምስ ፀውዓ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ደው በለት። 16 ንሱ ኸዓ “ንዓመታ ኸምዛ ጊዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቝፊ ኢኺ” በላ።
ንሳ ድማ “ኣይፋልካን ጐይታይ! ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኢኻ እሞ፥ ንኣይ ንገረድካ ከይትሕስወኒ እልምነካ ኣለኹ” በለቶ።
17 እታ ሰበይቲ ጠነሰት እሞ፥ ከምቲ ኤልሳዕ ዝበላ፥ ንዓመታኡ በታ ወርሓት እቲኣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ወዲ ወለደት።
18 እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኡ ምስቶም ዓፃዶ እንተሎ ናብኡ ኸደ። 19 ብድንገት ከዓ ነቦኡ “ርእሰይ፥ ርእሰይ” በሎ።
ኣቦኡ ድማ ንሓሽከሩ “ሓንጊርካ ናብ እኖኡ ውሰዶ” በሎ። 20 ሓንጊሩ ኸዓ ናብ እኖኡ ወሰዶ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ሓቚፋቶ ፀንሐት እሞ ሽዑ ሞተ። 21 ንሳ ኸዓ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣደቀሰቶ፤ ነቲ ማዕፆውን ሸጒራቶ ወፀት።
22 ንሰብኣያ ፀዊዓ ድማ “ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ብጕያ በፂሐ ኽምለስስ፥ በይዛኻ፥ ሓደ ኻብቶም ኣገልገልትናን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ” በለቶ።
23 ንሱ ኸዓ “ሰርቂ ወርሒ ኣይኮነ፥ ሰንበት ኣይኮነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ?” በላ። ንሳ ድማ “ደሓን” በለቶ።
24 ሽዑ ነታ ኣድጊ ፅዒና ነቲ ኣገልጋሊኣ “ኪድ ምራሕ፤ ኣነ እንተይኣዘዝኩኻ ድማ ኣብ መንገዲ ኸይተደንጕየኒ ቐልጥፍ” በለቶ። 25 ተልዒላ ድማ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ እምባ ቀርሜሎስ ከደት።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ኣማዕድዩ ምስ ረአያ፥ ንሓሽከሩ ንግያዝ፥ “እታ ሱናማዊት ሰበይቲ፥ እንሆ ትመፅእ ኣላ። 26 በይዛኻ፥ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ‘ድሓን ዲኺ? ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ? እቲ ወድኺኸ ደሓንዶ ኣሎ?’ በላ” በሎ። ንሳ ድማ “ደሓን ኣለና” በለት።
27 ናብቲ እምባ፥ ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዘለዎ ምስ መፀት ከዓ፥ በእጋሩ ኣፅኒዓ ሓዘቶ። ግያዝ ድማ ክርሕቓ ቐረበ፤ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ግና “እግዚኣብሄር ካባይ ሰዊሩዎ፥ ኣይገለፀለይን እምበር፥ ነፍሳ ሓዚና እያ እሞ ሕደጋ ደኣ” በሎ።
28 ንሳ ኸዓ “ወዲ ሃበኒ ኢለዶ ለሚነ ነይረ እየ? ኣነውን ኣይተታልለኒዶ ኣይበልኩኻን እየ” በለቶ።
29 ሽዑ ንግያዝ “ሕቘኻ ተዓጠቕ እሞ፥ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፤ ዝኾነ ሰብ እንተ ረኸብካ ኸዓ፥ ከመዓልካ ኣይትበሎ፤ ከመዓልካ እንተበለካውን ኣይትመልሰሉ። ነዛ በትረይ ድማ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንብራ” በሎ።
30 እኖ እቲ ቘልዓ ኸዓ ንኤልሳዕ “ምሳይ እንተ ዘይኬድካስ ሓዲገካ ኸም ዘይከይድ ብህያው እግዚኣብሄርን ብህይወትካን እምሕል ኣለኹ” በለቶ። ኤልሳዕ ድማ ተሲኡ ደድሕሪኣ ሰዓበ።
31 ግያዝ ከዓ ቐዲምዎም ሓሊፉ፥ ነታ በትሪ ኣብ ገፅ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፤ እቲ ቘልዓ ግና ድምፂ ወይ ምስማዕ ኣይነበሮን። ሽዑ ግያዝ ንኤልሳዕ ክራኸቦ ተመለሰ፤ “እቲ ቘልዓ ኣይተስአን” ኢሉ ኸዓ ነገሮ።
32 ኤልሳዕ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፥ እንሆ፥ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፥ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ፀንሖ። 33 ናብታ ቤት ንበይኑ ኣትዩ ነቲ ማዕፆ ሸጐሮ፤ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ፀለየ። 34 ደዪቡ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ለጥ ኢሉ፥ ኣፉ ኣብ ኣፉ፥ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፥ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ፤ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ተዘርግሐውን ሰብነት እቲ ቘልዓ ሞቐ። 35 ኤልሳዕ ድማ ኣብታ ቤት ሓደሻዕ ናብዙይ ሓደሻዕ ናብቱይ እናበለ ተዛወረ፤ መሊሱ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሸውዓተ ሻዕ ለጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ኣዒንቱ ቋሕ ኣበለ።
36 ሽዑ ኤልሳዕ ንግያዝ ፀዊዑ “ነታ ሱነማዊት ፀውዓያ” በሎ፤ ንሱ ኸዓ ፀውዓ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ “እንሆ ወድኺ” ኣልዒልኪ ውሰዲ በላ። 37 ኣትያ ኸዓ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፤ ወዳ ኣልዒላ ድማ ወፀት።
38 ኤልሳዕ ከዓ ናብ ጌልገላ ተመለሰ፤ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነቢያት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ሓሽከሩ ድማ “ነቲ ዓብዪ ቝራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነቢያት ፀብሒ ኣፍልሐሎም” በሎ።
39 ሓደ ኻብኣቶም ከዓ ሓምሊ ኽሓምል ናብ በረኻ ወፀ፤ ሃረግ በረኻ ድማ ረኸበ፤ ካብኡ ኸዓ ቘፅሊ በረኻ ኣኪቡ ኽዳኑ መሊኡ ተመለሰ፤ ቀርዲዱ ከዓ ናብቲ ናይ ፀብሒ ቝራዕ ኣእተዎ፤ እንታይ ከም ዝኾነ ግና ኣይፈለጡን። 40 ምእንቲ ኽበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሐሎም። ካብቲ ፀብሒ ኽበልዑ እንተለዉ ድማ “ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ኣብዝ ቍራዕ ሞት ኣሎ” ኢሎም ኣእወዩ። ክበልዕዎ ኸዓ ኣይከኣሉን።
41 ሽዑ ኤልሳዕ “ሕሩጭ ኣምፅኡለይ” በለ። ኣብቲ ቝራዕ ኣእትዩ ድማ “ምእንቲ ኽበልዑ፥ ነቶም ህዝቢ ፅብሑሎም” በለ። ድሕሪቱይ ኣብቲ ቝራዕ ክፉእ ነገር ኣይተረኽበን።
42 በዓልሻሊሻ ኻብ ዝበሃል ዓዲ ድማ ሓደ ሰብኣይ መፀ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ከዓ ናይ በዅራት እንጀራ፥ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሸዊት ስርናይን ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምፅአሉ። ንሱ ድማ “ክበልዕዎ ነዞም ህዝቢ ሃቦም” በሎ።
43 እቲ ኣገልጋሊኡ ኸዓ “እዙይ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰባት ከቕርበሎም እየ?” በሎ። ኤልሳዕ ግና “እግዚኣብሄር፥ ‘ክበልዑ እዮም፤ ከትርፉ ድማ እዮም’ ኢሉ እዩ እሞ፥ ነቶም ህዝቢ ደኣ ሃቦም፤ ይብልዕዎ” በሎ። 44 ሽዑ ኣብ ቅድሚኣቶም ኣቕረበሎም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ በሊዖም ኣትረፉ።
1 ኢዮኣስ ወዲ ኣካዝ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ኢዮኣካዝ ወዲ ኢዩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፤ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ከዓ ገዝአ። 2 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ሓጢኣት ናይቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ፥ ተኸተለ፤ ካብኣውን ኣይረሓቐን። 3 ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ። ብዅሉ እቲ ዘመን እቱይ ኣብ ኢድ ኣዛሄል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ወዱ ወልደ ኣዴርን ኣሕሊፉ ሃቦም።
4 ኢዮኣካዝ ከዓ ንእግዚኣብሄር ለመነ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንጉስ ሶርያ ንእስራኤል ዘጨነቖም ጭንቀት ሪኡ ናይ ኢዮኣካዝ ፀሎት ሰምዐ። 5 እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ሶርያውያን ዘድሕኖም መራሒውን ሃቦም፤ ካብ ኢድ ሶርያውያንውን ደሓኑ። ደቂ እስራኤል ከዓ ኸም ቀደሞም ኣብ ድንኳናቶም ተቐመጡ። 6 ግና ብኣኣ ኸዱ እምበር፥ ካብቲ ንእስራኤል ዘስሓተ ሓጢኣት ቤት ኢዮርብዓም ኣይረሓቑን። ምስሊ ጣዖት ኣስታሮት ድማ ኣብ ሰማርያ ቖይማ ነበረት።
7 እቲ ንጉስ ሶርያ ኣጥፊኡዎም ነበረሞ፥ ኣብ ዓውዲ ኸም ዘሎ ብቝቡቕ ኣድቂቑዎም ነበረሞ፥ ንኢዮኣካዝ እንትርፊ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን ካልእ ኣየትረፈሉን ነበረ።
8 እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣካዝ ነገርን ኵሉ ዝገበሮ ጅግንነቱን ኣብ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 9 ኢዮኣካዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ክንድኡ ኸዓ ወዱ ኢዮኣስ ነገሰ።
10 ኢዮኣስ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ ኣብ መበል ሰላሳን ሸውዓተን ዓመቱ ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ። ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመት ከዓ ገዝአ። 11 ኢዮኣስ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፤ ብሓጢኣት እቲ ንእስራኤል ዘስሓቶም ኢዮርብዓም ወዲ ናባጥ ከደ እምበር፥ ካብኣ ኣይርሓቐን።
12 እቲ ዝተረፈ ናይ ኢዮኣስ ነገርን ኵሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣሜስያስ ንጉስ ይሁዳ ዝተዋግአሉ ጅግንነቱን፥ ኣብ መፅሓፍ ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ዝተፅሓፈዶ ኣይኮነን? 13 ኢዮኣስ ሞተ፤ ምስ ነገስታት እስራኤል ከዓ ኣብ ሰማርያ ተቐበረ። ወዱ ኢዮርብዓም ድማ ኣብ ዙፋኑ ተቐመጠ።
14 ኤልሳዕ ከዓ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ፤ ክመውት ምስ ቀረበ ኸዓ ኢዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብኡ ወሪዱ “ኣቦይ! ኣቦይ! ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን” ኢሉ በኸየ።
15 ኤልሳዕ ከዓ “ቀስትን ፍላፃታትን ውሰድ” በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላፃታትን ወሰደ። 16 ነቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ “ክትውርውር ተዳሎ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምቲ ዝበሎ ገበረ። ኤልሳዕ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንጉስ ገይሩ፥ 17 “ነቲ ናይ ምብራቕ መስኮት ክፈቶ” በሎ። ንሱ ድማ ኸምኡ ገበረ። ኤልሳዕ ከዓ “ወርውር” በሎ። ምስ ወርወረ ድማ፥ ኤልሳዕ “ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ፍላፃ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ብኣኻ ገይሩ ንሶርያውያን ክስዕሮም እዩ፤ ክሳዕ እትስዕሮም ከዓ ኣብ ኣፌቅ ክትዋግኦም ኢኻ” በሎ።
18 መሊሱ “ካልእ ፍላፃታት ኣልዕል እሞ ንምድሪ ውቕዓያ” በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከዓ ሰለስተ ሻዕ ወቒዑ ደው በለ። 19 ሽዑ ኤልሳዕ ኰረየሉ እሞ “ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ሻዕ ወቒዕካያ እንተ እትኸውን ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምስዓርካዮም ኔርካ። ሕዚ ግና ሰለስተ ሻዕ ጥራሕ ክትስዕሮም ኢኻ” በሎ።
20 ኤልሳዕ ሞተ እሞ ቐበርዎ። ዓመት ዓመት ከዓ ሓደጋ ዘብፅሑ ኻብ ሞኣብ ናብ ምድሪ እስራኤል ይመፁ ነበሩ። 21 ሓደ እዋን ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቐብሩ እንተለዉ፥ እንሆ፥ እቶም ሓደጋ ዘብፅሑ ተርኣዩ፤ እቶም ቀባሮ ድማ ነቲ ሬሳ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ደርበይዎ። እቲ ሬሳ ኸዓ ኣዕፅምቲ ኤልሳዕ ምስ ነኽአ፥ ሓወየ፤ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
22 ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ብዅሉ ዘመን ኢዮኣካዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም። 23 እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ራህርሀሎም፤ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገፁ መለሰሎም እምበር ከጥፍኦም ኣይደለየን። ክሳዕ ሕዚ እውን ካብ ቅድሚኡ ኣየርሓቖምን።
24 ኣዛሄል ንጉስ ሶርያ ሞተ፤ ክንድኡ ኸዓ ወዱ ወልደ ኣዴር ነገሰ። 25 ኢዮኣስ ወዲ ኢዮኣካዝ ድማ ንወልደ ኣዴር ሰለስተ ሻዕ ሰዓሮ፤ ነተን ኣዛሄል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ኢዮኣካዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ከዓ ኣምለሰን።
1ይ ነገስት 17:8–24 · 2ይ ነገስት 4 · 2ይ ነገስት 13 · ትመ15
ዮሃንስ ነዚ «በዅሪ ኻብ ምዉታት» ዝብል ቃል ንጐይታ የሱስ ንምግላጽ ኪጥቀመሉ ኸሎ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ናይ መጀመርታ ሰብ ምዃኑ ኣይዛረብን። ኣብ ብሉይ ኪዳን ኻብ ምዉታት ዝተንስኡ ነበሩ፡ ከም ወዲ እታ ኻብ ጻረፋት ዝነበረት ሰበይቲ (1 ነገስት 17:8–24)፡ ወይ ወዲ እታ ሹላማዊት (2 ነገስት 4)፡ ወይ እቲ ንኣዕጽምቲ ኤልሳእ ዝተንከየ ሰብ (2 ነገስት 13)። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ጓል ያኢሮስ፡ ወዲ እታ መበለት ናይን፡ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣልኣዛር ንመሃር—ዅሎም ኻብ ምዉታት ተንስኡ።
ግናኸ ኣብዚ ጥቕስና፡ ጐይታና በዅሪ ኻብ ምዉታት ምዃኑ ንመሃር። እዚ ቃል እዚ ናይ መጀመርታ ብደረጃን ብኽብርን ወይ ብቦታን ዝብል ሓሳብ ኣለዎ። ብግዜ ናይ መጀመርታ ዝተወልደ ማለት ኣይኰነን፡ ግናኸ ብልዕልና። ጐይታ የሱስ እቲ ዝለዓለ ቦታ ይወስድ። እዚ ኸኣ ኣብ ሓደ መሲሓዊ መዝሙር ብንጹር ይረአ፡ «ኣነ በዅረይ ክገብሮ፡ ካብ ነገስታት ምድሪ እቲ ዝለዓለ» (መዝሙር 89:27)።
እቲ ብዛዕባ ጐይታ የሱስ እንብቦ ቐጺሉ ዘሎ ነገር፡ «ገዛኢ ነገስታት ምድሪ» ምዃኑ እዩ። ካብ ዅሉ ስለ ዝዓበየ፡ ገዛኢ ዅሎም ነገስታት ምድሪ እዩ! ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ (ራእይ 17:14)። እዚ ኸኣ ኣብ ዝመጽእ መዓልቲ፡ ክርስቶስ ብኽብሪ ምስ ተገለጠ (19:11–16)፡ ንዅሉ ኺግለጽ እዩ። ጐይታ የሱስ ከምቲ ብብሉይ ኪዳን ዅሉ እተነበየ (መዝሙር 2:6–8፤ ኤርምያስ 23:5፤ ዘካርያስ 9:9)፡ ንጉስ ምድሪ ምዃኑ ኺርአ እዩ።
ኣብ ፍቕዲ 4ን 5ን፡ ዮሃንስ ንጐይታ የሱስ ንምምላኽ ብዙሕ ምኽንያታት ሂቡ እዩ። ንሱ እሙን ምስክር፡ በዅሪ ኻብ ምዉታት፡ ገዛኢ ዅሎም ነገስታት ምድሪ እዩ። እቲ ብሩኽ ጐይታና ብሰንኪ ክብሪ ሰብነቱን ክብሪ እቲ ዝፈጸሞን ኪምለኽ ይግባእ!