ይቕሬታ! ክንደይ ግሩም ቃል ኰን እዩ። እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዚብሃል ስርዓት ቢያንስ ክልተ ዕላማታት ኣለዎ። ቀዳማይ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ተስፋ ይቕሬታ ይህቦም ነበረ፣ ናብ ምምጻእ ክርስቶስን ናብ መስቀላዊ ዕዮኡን ድማ የርኢ ነበረ። ካልኣይ፡ ምናልባት ድማ እቲ ዝበለጸ ኣገዳሲ ነገር፡ መስዋእቲ ሓጢኣት ንሓደ ሰብ ይቕሬታ ንምርካብ ዋጋ ከም ዘለዎ የርኢ። ንጹህ ግዳይ ኣብ ክንዲ እቲ በዳሊ ኪመውት ነበሮ። ደሙ የድሊ ነበረ፣ ከመይሲ ንነፍሲ ምትዕርራቕ ዚገብር ደም እዩ (ዘሌ. 17:11)።
እብራውያን 10፡ ደም ኣባጊዕን ደም ኣጣልን—ብርግጽ ድማ ደም ኣዕዋፍ—ሓጢኣት ኬርሕቕ ከም ዘይከኣለ ይነግረና (ቍ. 4)። እቶም ብብሉይ ኪዳን ዚቐርቡ ዝነበሩ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ናብ ጐይታ የሱስን ናብ ዓብዪ ዕዮኡን ጥራይ የርእዩ ነበሩ። እዚ እዩ እቲ ናይ ይቕሬታ ሓቀኛ መሰረት፡ ብብሉይ ኪዳን ይኹን ብሓድሽ ኪዳን።
ክልተ ኣዕዋፍ ንመስዋእቲ ምቕራቦም ባህ ዜብል እዩ። ቍጽሪ ክልተ ምስክርነት ይነግረና። ኣብቲ ጥቕስና፡ ሓንቲ ዑፍ ከም መስዋእቲ ሓጢኣት ቀሪባ፡ እታ ኻልአይቲ ዑፍ ድማ ከም መስዋእቲ ምሕራር ቀሪባ። እዘን ክልተ ኣዕዋፍ፡ ክብሪ ኣምላኽ ብመስዋእቲ ምሕራር ከም ዚረጋገጽ፡ ድሌት ሓጥእ ድማ ብመስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዚረጋገጽ ምስክርነት እየን። ክርስቶስ ብሓደ ዕዮኡ፡ ንድሌታት ኣምላኽን ንድሌታት ሰብን ኬማልእ ምኽኣሉ ክንደይ ግሩም ኰን እዩ!
እዘን ኣዕዋፍ ከም ዘይከፋፈላ እውን ኣስተብህል። እዚ፡ ክርስቶስ፡ ከምቲ ናብ ምድሪ ዝመጸ ሰማያዊ፡ ኪኸፋፈል ከም ዘይከኣል ኬመልክት ይኽእል እዩ። ንሱ ኣምላኽን ሰብን ብሓደ ብሩኽ ሰብነት እዩ። ንሰብነቱ ኽንፈልዮ ንኽእል እምበር፡ ክንከፋፍሎ ኣይንኽእልን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ብቑዕ ስለ ዝዀነ፡ ክንሰግደሉ ኣሎና!




