1 ብክርስቶስ ኢየሱስ ንዝርከብ ናይ ህይወት ተስፋ፥ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ጳውሎስ፥
2 ናብ ዝፈትዎ ወደይ ጢሞቴዎስ፤ ካብ እግዚኣብሄር ኣብን፥ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋ፥ ምሕረት፥ ሰላም፥ ንኣኻ ይኹን።
3 ለይትን መዓልትን እንተየቋረፅኩ፥ ኣብ ፀሎተይ ክዝክረካ እንተለኹ፥ ነቲ ኸምቲ ናይ ኣቦታተይ ገይረ፥ ብንፁህ ሕሊና ዘገልግሎ እግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ። 4 ንብዓትካ እናዘከርኩ፥ ብታሕጓስ ምእንቲ ኽምላእ ኸዓ፥ ክሪአካ እናፍቕ ኣለኹ። 5 ነታ ኣባኻ ዘላ፥ ግብዝና ዘይብላ እምነት እዝክራ እየ። እዛ እምነት እዚኣ፥ ቅድም ኣብ እኖሓጐኻ ሎይድ፥ ከምኡውን ኣብ እኖኻ ኤውንቄ ነበረት። ሕዚ ኸዓ ኣባኻ ኸም ዘላ ተኣማሚነ ኣለኹ። 6 ስለዙይ ነቲ ብምንባር ኢደይ ዝተቐበልካዮ፥ ኣባኻ ዘሎ ውህብቶ እግዚኣብሄር፥ ክተለዓዕሎ ኣዘክረካ ኣለኹ። 7 እግዚኣብሄር ዝሃበና፥ መንፈስ ሓይልን፥ ፍቕርን፥ ንባዕልኻ ምግዛእን እምበር፥ መንፈስ ፍርሓት ኣይሃበናንሞ።
8 እምበኣር ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምስካርን፥ ብኣይ ናይ ክርስቶስ እሱርን ኣይትሕፈር፤ እኳ ደኣ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ ሓይሊ፥ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ተቐበል እምበር። 9 ንሱ ብግብርና ዘይኮነስ፥ ብፍቓዱን፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዘመናት ዝተውሃበና ፀጋን፥ ኣድሓነና፤ ብቕዱስ ፅውዓውን ፀውዐና። 10 እዝ ፀጋ እዙይ፥ ብምምፃእ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገልፀ። ንሱ ንሞት ስዒሩ፥ ንህይወትን ንዘይሙማትን፥ ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውፅኦ። 11 ኣነውን ናይዝ ወንጌል እዙይ ኣብሳሪ ሃዋርያን፥ ንኣህዛብውን መምህር ክኸውን ተሸምኩ። 12 በዝ ምኽንያትዙይ ከዓ እየ፥ መከራ ዝቕበል ዘለኹ፤ ግና ንመን ከም ዝኣመንኩ ስለ ዝፈልጥ፥ ኣይሓፍርን እየ። ንሱ ኸዓ ነቲ ዝሃብክዎ ሕድሪ፥ ክሳዕ እታ መዓልቲ ጐይታ ኽሕልወለይ ከም ዝኽእል ርግፀኛ እየ። 13 ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ። 14 ነቲ ብሕድሪ ዝተውሃበካ ሓቂ፥ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
15 እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም። 16 እግዚኣብሄር ንቤተ ሰብ ሄኔሴፎሩ፥ ምሕረት ይሃቦም፤ ንሱ ብምእሳረይ እንተይሓፈረ፥ ብዙሕ ጊዜ ኣዕሪፉኒ እዩ እሞ። 17 ኣብ ሮሜ ምስ መፀውን፥ ክሳዕ ዝረኽበኒ ብዙሕ ደኺሙ እዩ። 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር ምሕረት ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፥ ንስኻ ኣፀቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።
15 እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፥ ከም ዝጠለሙኒ ትፈልጥ ኢኻ። ኣብ መንጎኦም እኳ ፊጌሎስን ሄርዋጌኔስን እዮም።
10 ዴማስ ነዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝፈተወ፥ ሓዲጉኒ ናብ ተሰሎንቄ ኸይዱ እዩ። ቄርቂስ ናብ ገላትያ፥ ቲቶውን ናብ ድልማጥያ ኸይዶም እዮም።
2ይ ጢሞቴዎስ 1 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:15 · 2ይ ጢሞቴዎስ 4:10 · ትመ15
ኣብ ቲቶስ፡ ቲኪቆስ ከም ብሓድሽ ተጠቒሱ ኣሎ። ሃዋርያ ንቲቶስ ኬዕርፎን ንሃዋርያ ኺበጽሖን ናብ ክሬተ ኺልእኮም ክልተ ኣሕዋት ከም ዝሓስብ ይጽሕፍ። ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ፡ ክሬተ ንጐይታ ንምግልጋል ቀሊል ቦታ ከም ዘይነበረት ንመሃር (1:12–13)። ግናኸ ቲኪቆስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብኡ ንጐይታ ኺግልግል ከም ዝኽእል ዝሓሰበሉ ሓው ነበረ፡ ምኽንያቱ እሙን ነበረ። ጐይታ የሱስ ኣብ ጸገም ዘለዎ ቦታ እኳ እንተ ዀነ ኸነገልግሎ ኺእመነና ድዩ፧
እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ቲኪቆስ ዝተጠቕሰሉ ናይ መወዳእታ ቦታ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ኺጽሕፍ ከሎ፡ ሃዋርያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተቐሚጡ ነበረ፡ ቀልጢፉ ኸኣ ህይወቱ ኺስእን ነበረ። ኣብ ምዕራፍ 1፡ ኵሎም ኣብ እስያ ዝነበሩ—እቲ ቲኪቆስ ዝመጸሉ ኣውራጃ (ግብሪ ሃዋርያት 20:4)—ንሃዋርያ ከም ዝሓደግዎ ንምሃር። ንክርስትያናዊ እምነት ኣይሓደግዋን፡ ግናኸ ካብ ትምህርቲ ሃዋርያን ካብቲ ብሰማያዊ ጽውዓ ቤተ ክርስቲያን ዚምርሑሉ ዝነበሩ ኣገባብ ህይወትን ፈንጢሮም ነበሩ (ፊልጲ 4:9 ኣነጻጽር)። ሕጂ ኣብ ምዕራፍ 4፡ ብዛዕባ መተዓብይቲ ጳውሎስ ዝያዳ ዝርዝራት ንምሃር። ደማስ፡ ቀደም መተዓብይቱ ዝነበረ፡ ነዚ ዘመን እዚ ስለ ዝፈተዎ ሓዲግዎ ነበረ (ጥቕሲ 10)። ክሬስቄንስን ቲቶስን ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ቦታታት ኣገልግሎት ከይዶም ነበሩ (ጥቕሲ 10)። ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ህይወቱ ሉቃስ ጥራይ እዩ ምስኡ ነይሩ። ሽዑ ኸኣ፡ “ንቲኪቆስ ናብ ኤፌሶን ለኢኸዮ ኣሎኹ” ይብል። ኣብዚ ቲኪቆስ ክሳዕ መወዳእታ ህይወት ሃዋርያ እሙን ምዃኑ ንረክብ። ሓደ ትርጉም እሙን ማለት “እተኣማሚኑ ሰብ” ማለት እዩ፡ ኣብዚ ኸኣ ጳውሎስ “ኵሎም ኣብ እስያ ዘለዉ…ካብኣይ ፈንጢሮም” (2 ጢሞቴዎስ 1:15) ድሕሪ ምባሉ እኳ ንቲኪቆስ ኪእመኖ ከም ዝኽእል ንርኢ። ክሳዕ መወዳእታ፡ ኣብቲ ጸገም ዘለዎ እዋናት እኳ፡ እሙን ነበረ።
ብዛዕባኻን ብዛዕባይንከ፧ ክሳዕ መወዳእታ፡ ብዘይገድስ ጸገማት፡ እሙናት ክንከውን ዲና፧ ቅድሚ ምምጽኡ ኣብዞም ናይ መወዳእታ መዓልታት ጐይታ የሱስን ኣሕዋትናን ኪእመኑና ዝኽእሉ ክንከውን ዲና፧ ንኽብሩ ኸምኡ ይኹን!