መጽሓፍ ቅዱስ ክተንብብ ከለኻ ንትውልድታት ኣይትሕለፎም። ኣናሕ ኣብ መዝገብ ትውልዲ ኤሳው ዝርከብ ሰብኣይ ነበረ፣ ስለዚ ኸኣ ኤዶማዊ ነበረ፣ ካብቶም ብመጨረሻ ንህዝቢ ኣምላኽ መራር ጸላእቲ ዝኾኑ ህዝቢ። ይኹን እምበር፣ ኣምላኽ ንኣናሕ ስም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቕምና ክምዝግብ ባህ ኢልዎ።
እቲ ንፍጥረትን ንብዙሓት ብርሃናዊ ኣካላትን ዝፈጠረ ኣምላኽ፣ እቲ ንግዝኣታት ዘዕብን ዘውርድን ኣምላኽ፣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ምድሪ እትወድቕ ድንቢት ዝርእን ጸጉሪ ርእስና ዝቖጽርን ከም ዝኾነ ምፍላጥ ዘደንቕ ሓቂ እዩ። ከምኡ ድማ ምስ ኣናሕ። ንሱ ኣብ ምድረበዳ ማይ ዝረኸበ ኣናሕ ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ። ሰማይ ንኣናሕ ንኣድጊ ኣቦኡ ክከናኸን ከሎ «ንፉዕ ምንጪ ማይ» (jnd) ከም ዝረኸበ ረኣዮ።
እዚ ሓቂ እዚ ብፍላይ ንኣና ንዝኣመንና ኣዝዩ ተገዳሲ እዩ። ንዓለማዊ ፍጻሜታት ወይ ንትሑት ዕማማት ምስ ጐይታ ምስናስ ንክርስትያን ፍሉይ ትርጉም ይህቦም። ዓለም ፍሉይ ኣቓልቦ ዘይትህበሉ ዕለታዊ ዕማማት ወይ ፍጻሜታት ንጐይታ ጌርካ ክስራሕ ይከኣል እዩ፦ «ብቓል ይኹን ብግብሪ ዝገበርኩምዎ ዘበለ፣ ኩሉ ብስም ጐይታ የሱስ ግበርዎ» (ቈሎ. 3:17)። እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብሓይሊ፣ ብቕንዕና፣ ብምልእቲ ልብና እንተ ገበርናዮ፣ ዝተስፈወ ዓስቢ ኣሎ፦ «ዝገበርኩምዎ ዘበለ ኩሉ፣ ንሰብ ዘይኮነስሲ ንጐይታ ኸም እትገብሩ ኴንኩም፣ ብምልእቲ ነፍስኹም ግበርዎ። ካብ ጐይታ ዓስቢ ርስቲ ኸም እትቕበሉ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፣ ንጐይታ ክርስቶስ ኢኹም እትግዝኡ» (ቈሎ. 3:23–24)።
ኣብ ህይወትና ዘይንገብሮ ሓደ እኳ ንእሽቶን ዘይጠቅምን ነገር የለን፦ ብስም ክርስቶስ ዝወሃብ «ሓደ ጽዋእ ዝሑል ማይ» ዘለኣለማዊ ዓስቡ ኣይስእንን እዩ (ማቴ. 10:42)። ከም ኣናሕ፣ ዕለታዊ ዕማማትናን ተመክሮታትናን ተመዝጊቡ ዘለኣለማዊ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ሓሳብ እዚ ናብ ብድሆታትን ዕድላትን ናይዚ ሓድሽ ዓመት ክንኣቱ ከለና የባራትዓናን የበርትዓናን።




