5 ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ካህናት ኴንኩም፥ ነቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ቅቡል ዝኾነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ምእንቲ ኽተቕርቡ፥ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፥ ኣብ መንፈሳዊ ቤት ተሃነፁ።
9 ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።
1 ኣቦታት ዓሌት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኢያሱ ወዲ ነዌን ናብ ሹመኛታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀረቡ። 2 ኣብ ሴሎ ኣብ ምድሪ ከነዓን “ንሕና እንነብረለን ከተማታትን፥ ከባቢአንን ንእንስሳናውን ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ኽህቡና፥ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ኣዚዙ እዩ” በልዎም።
1ይ ጴጥሮስ 2:5 · 1ይ ጴጥሮስ 2:9 · ኢያሱ 21:1–2 · ትመ15
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኡ፡ ኣብ ክንዲ በዅሪ ደቂ እስራኤል፡ ንነገድ ሌዊ ንኣገልግሎቱ ፈሊዩ ኣንቢርዎም ነበረ። ካብዚ ነገድ እዚ ኸኣ ንኣሮንን ንዘርኡን ከም ካህናት ኪግልግልዎ መሪጽዎም ነበረ። ኩሉ ነገድ እስራኤል ንካህናትን ሌዋውያንን ከተማታትን ገጠራተንን ኣበርኪቱ። በዚ ኸምዚ እዞም ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ኣብ ምድሪ ይነብሩ ነበሩ (እያሱ 21:4)።
ሎሚ ኩሉ ኣማኒ ብመለኮታዊ ምድላው ቅዱስን ንጉሳዊን ካህን እዩ (1 ጴጥሮስ 2:5, 9)። ኩሉ ኣማኒ ኸኣ ነቲ እግዚኣብሔር ምግልጋል ዝብል ዓብዪ መሰል ኣለዎ። ግናኸ ሎሚ እውን፡ ኣምላኽ ንዝመርጾም ንፍሉይ ገጽ ኣገልግሎቱ ይጽውዕን ይፈልን እዩ። ንእግዚኣብሔር ምግልጋል ከም ሓኪም ወይ ስኒ ሓኪም ወይ ጠበቓ ምዃን ዝኣመሰለ ሰብኣዊ ሞያ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን ሓደ ኣማኒ ንእግዚኣብሔር ንምግልጋል ብቑዕ ንምዃን ካብ ሴሚናሪ፡ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ወይ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ትካል ዲግሪ ኣየድልዮን እዩ።
ከምቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ነገድ እስራኤል ንሌዋውያንን ካህናትን ኪነብሩሉ ከተማታት፡ ንእንስሳታቶም ድማ መጓሰ ዝሃበ፡ ከምኡ ኸኣ ንሎሚ ንኣገልግሎቱ ዝተፈልዩ ሰባት፡ ኣብ ዓዶም ይኹኑ ኣብ ወፍሪ፡ ንኣድላይነቶም ኪህብ እሙን እዩ።