ኣብ ወንጌላት ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት ኣብ ህይወት ጐይታ የሱስ ንረክብ። ገሊኦም ብዝርዝር ተገሊጾም ኣለዉ፣ ካልኦት ድማ ብሓደ ወይ ክልተ ፍቕዲ ጥራይ፣ ከምቲ ምፍዋስ ኣደ-ሓሙኡ ጴጥሮስ። ግናኸ እዚ ሓጺር ጸብጻብ ብኹሎም ሰለስቲኦም ሲኖፕቲክ ወንጌላት ተዋሂቡ እዩ። ንፍልልያት ምጽናዕ ድማ እቲ እዞም ሒደት ፍቕድታት ዝሓዝዎ ዓብዪ ሓበሬታ ክገልጽ እዩ።
ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ጥራይ እንተ ዝህልወና፣ ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝነበሩን ንጐይታ ሓገዝ ከም ዝሓተቱን ኣይምፈልጥን ነበርና። ኣብ ማቴዎስ እቲ ተበግሶ ብምሉኡ ናይ ጐይታ እዩ፦ ይመጽእ፣ ንኩነታት ይርኢ፣ ይሕግዝ ድማ። ብርግጽ፣ ኣብ ኩነታት ጸገምና ንጐይታ ሓገዝ ክንሓትት ንኽእልን ክንሓትት ድማ ይግባኣናን እዩ። ግናኸ ንሱ ንኩነታትና ቅድሚ ምሕታትና ከም ዝፈልጦን ከም ዝርእዮን ክሕግዝ ድማ ድሉው ምዃኑን ምፍላጥ ዓብዪ ምጽንናዕ እዩ።
“ንኢዳ ድማ ተንከየ።” እዚ ንምፍዋስ ኣየድለየን። ጐይታ ንሰባት ብሓንቲ ቃል ጥራይ፣ ኣብ ርሑቕ እውን እንተኾነ፣ ፈዊስዎም እዩ። ግናኸ ንሰብ ምትንካፍ ንምሕረት ጐይታ የርኢ። ማቴዎስ ካልኦት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ጉዳያት ይጠቅስ፦ ሓደ ለምጻም (8:3)፤ ክልተ ዕዉራት (9:29)፤ እንደገና ክልተ ዕዉራት (20:34)።
“ንእኣ ድማ ረስኒ ሓደጋ፤ ንሳ ድማ ተንስአት እሞ ኣገልገለቶ።” ጐይታ ምስ ፈወሳ፣ እቲ ቐዳማይ ዝገበረቶ ነገር ተንሲኣ ንዕኡ ምግልጋል እዩ ነይሩ። ንመድሓኒኣ ዝፈወሳን ሓድሽ ሓይሊ ንምግልጋል ዝሃባን ምግልጋል ንእኣ ባህርያዊ ነገር እዩ ነይሩ። ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት ካብ ኣማልኽቲ ገለ ውህበት ንምርካብ ቅድሚኡ ገለ ክትገብር ኣለካ። ግናኸ ኣብ ክርስትና፣ ኣገልግሎት ናይ ምስጋና ባህርያዊ ምላሽ እዩ ንእቲ ዘድሓነናን ኣብ ክርስቶስ ኩሉ መንፈሳዊ በረኸት ዝሃበናን!




