1 ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ፥ ድሕሪ ፋሲካ ዝውዕል በዓል ጰንጠቆስጤ፥ ዅላቶም ሓቢሮም እንተለዉ፥ 2 ብድንገት ከም ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ መፀ። ነታ ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ቤትውን መልኣ። 3 ልሳናት ሓዊ ዝመስል ድማ ተርኣዮም፤ ተመቓቒሉ ኸዓ፥ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ተቐመጠ። 4 ንዅሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፤ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን፥ ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ።
5 ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሃገራት ኣህዛብ ዝመፁ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ኣይሁድ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ። 6 እዝ ድምፂ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ብዙሓት ህዝቢ ተኣከቡ። ነፍሲ ወከፎም፥ በብቛንቋኣቶም ክዛረቡ ምስ ሰምዑ ኸዓ ተገረሙ። 7 ኵላቶም ተገሪሞምን ተደኒቖምን፦ “እንሆ እዞም ዝዛረቡ ዅላቶም፥ ገሊላውያንዶ ኣይኮኑን? 8 ከመይ ኢልና ደኣ ዅላትና፥ በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ፥ እንትዛረቡ ንሰምዖም ኣለና? 9 ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥ 10 ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥ 11 ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ። 12 ኵላቶም ደንጊፆም ዝብልዎ ጠፊእዎም ከዓ ንስንሳቶም “እዝ ነገር እዙይስ እንታይ ኮን ይኸውን!” ተበሃሃሉ። 13 ገሊኣቶም ግና እናላገፁሎም “እዚኣቶም ጕዕሽ ወይኒ ሰትዮም፥ ሰኺሮም እዮም” እናበሉ ሰሓቕዎም።
14 ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ተሲኡ፥ ድምፁ ዓው ኣቢሉ፥ ከምዙይ ኢሉ ተዛረቦም፦ “ኣቱም ሰብ ይሁዳን፥ ኣብ ኢየሩሳሌም እትነብሩ ዅልኻትኩምን፥ እቲ ዝኾነ ነገር ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ ፅን ኢልኩም ስምዑኒ። 15 ከምቲ ንኣኻትኩም ዝመሰለኩም፥ እዚኣቶም ሰኺሮም ኣይኮኑን፤ ገና ሰለስተ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ እሞ። 16 እዙይ ግና፥ ከምቲ ነቢይ ኢዩኤል ዝበሎ እዩ፦
17 ‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ
ይብል እግዚኣብሄር፦
ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤
ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥
ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥
ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
18 እወ፥ በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት እቲኣተን፥
ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ኣገልገልተይ፥ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤
ንሳቶም ከዓ ኽንበዩ እዮም።
19 ኣነ ድማ፥ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፥
ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኸዓ፥
ምልክት ደምን ሓዊን ጣቓን ክገብር እየ።
20 እታ ዓባይን እተገርምን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥
ፀሓይ ናብ ፀልማት፥
ወርሒ ኸዓ፥ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
21 ኵሉ ስም እግዚኣብሄር ዝፅውዕ ድማ፥ ክድሕን እዩ።’
22 “ኣቱም ሰብ እስራኤል፥ ነዝ ነገር እዙይ ስምዑ፤ ከምቲ ባዕልኻትኩም እትፈልጥዎ፥ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ፥ በቲ እግዚኣብሄር ብእኡ፥ ኣብ ማእኸልኩም ዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ምልክትን፥ እግዚኣብሄር ዝመስከረሉ ሰብ እዩ ነይሩ። 23 ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። 24 ሞት ሒዙ ኸፅንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር መእሰሪ ሞት ፈቲሑ ኣተስኦ። 25 ዳዊትውን ብዛዕባኡ ኸምዙይ ይብል፦
‘ንእግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኣብ ቅድመይ እሪኦ፤
ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸዓ ኣይናወፅን እየ፤
26 ስለዙይ ልበይ ተሓጐሰ፤ ልሳነይ ከዓ ዕልል በለት፤
ስጋይውን ብተስፋ ኽነብር እዩ።
27 ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፤
ንቕዱስካ ድማ፥
ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።
28 ንስኻ መንገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፤
ምሳይ ብምህላውካ ድማ፥
ብታሕጓስ ክተፅግበኒ ኢኻ።’
29 “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝኾነ ዳዊት፥ ከም ዝሞተን ከም ዝተቐበረን፥ መቓብሩ ኸዓ ኽሳዕ ሎሚ ኣባና ኸም ዘሎን፥ ኣረጋጊፀ እነግረኩም ኣለኹ። 30 ንሱ ነቢይ ስለ ዝነበረ፥ እግዚኣብሄር ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዙፋኑ ኸቐምጥ፥ ማሕላ ኸም ዝመሓለሉ ይፈልጥ ነበረ። 31 ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፥ ስጋኡውን ምብስባስ ከም ዘይርኢ፥ ኣቐዲሙ ፈሊጡ፥ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ተዛረበ። 32 እግዚኣብሄር ነዝ ኢየሱስ፥ ኣተሲእዎ እዩ፤ ንሕና ዅላትና ኸዓ፥ ናይዝ ነገር እዙይ መሰኻኽር ኢና። 33 ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ። 34-35 ዳዊት ባዕሉ ደኣ ‘ጐይታ ንጐይታይ፥ ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፥ በሎ’ ይብል እምበር፥ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። 36 እምበኣርከስ፥ ነዝ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ ኢየሱስ፥ እግዚኣብሄር ንእኡ ጐይታን መሲሕን ከም ዝገበሮ፥ ኵሉ ቤት እስራኤል ብርግፅ ይፍለጥ።”
37 ሽዑ እዙይ ምስ ሰምዑ ልቦም ተነኽአ እሞ፥ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን “ኣቱም ኣሕዋትና፥ እንታይ ደኣ ንግበር?” በልዎም። 38 ጴጥሮስ ድማ፦ “ተነስሁ፤ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽሕደገልኩም፥ ኵልኻትኩም ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ፤ ውህብቶ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም። 39 እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኻትኩምን፥ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝፅውዖም፥ ኣብ ርሑቕ ንዘለዉውን እዩ እሞ” በሎም። 40 ካልእ ብዙሕ ነገርውን ነገሮምሞ፥ “ካብዝ ኽፉእ ትውልዲ ርእስኹም ኣድሕኑ” ኢሉውን መዓዶም። 41 እቶም ሽዑ ነቲ ቓሉ ዝተቐበሉ፥ ተጠመቑ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ሰለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ኣመንቲ ተወሰኽዎም። 42 ንሳቶም ከዓ ትምህርቲ ሃዋርያት ብምክትታልን፥ ሓቢሮም ብምንባርን፥ ብምቝራስ እንጀራን፥ ብፀሎትን ፀኒዖም ነበሩ።
43 ብዙሕ ምልክትን ተኣምራትን ድማ፥ ብኢድ ሃዋርያት ይግበር ነበረ፤ ኣብ ኵሎም ከዓ ፍርሓት ኮነ። 44 እቶም ዝኣመኑ ዅሎም ድማ፥ ሓቢሮም ይነብሩ ነበሩ። ዘለዎም ኵሉ ኸዓ ናይ ሓባር ነበረ፤ 45 ንሳቶም መሬቶምን ጥሪቶምን ሸይጦም፥ ንኹላቶም ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። 46 በብመዓልቱውን፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እንተየቋረፁ፥ ብሕብረት ፀኒዖም ይእከቡ ነበሩ። ኣብ ገዛውቶም እንጀራ እናቘረሱ ኸዓ፥ ብታሕጓስን ብቕኑዕ ልብን፥ ኣብ ማእዲ ይሳተፉ ነበሩ፤ 47 ንእግዚኣብሄርውን የመስግኑ ነበሩ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ድማ ሞገስ ነበሮም፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ዝድሕኑ ዕለት ዕለት፥ ናብቲ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
9 ንሕና ሰብ ጳርቴን ሰብ ሜድን ሰብ ኢላምን፥ እቶም ኣብ መስጴጦምያን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጰዶቅያን ኣብ ጳንጦስን ኣብ እስያን ዝነብሩ፥ 10 ኣብ ፍርግያን ኣብ ጵንፍልያን ኣብ ግብፅን ኣብ ከባቢ ቀሬና ዘለዋ ዓድታት ሊብያን ካብ ሮሜ ዝመፃእና ኣይሁድን፥ ናብ ይሁዲነት ዝኣተና ወገናት ኣህዛብን፥ 11 ሰብ ቀርጤስን ዓረብን ኢና፤ እንተ ኾነ እንሆ በብቛንቋና፥ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ እግዚኣብሄር፥ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣለና” በሉ።
17 ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፤ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውፅኦ ነገሮም እሞ፥ “ነዝ ነገርዙይ ንያእቆብን፥ ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም” በሎም፤ ካብኡ ወፂኡ ድማ፥ ናብ ካልእ ቦታ ኸደ።
ግብሪ ሃዋርያት 2 · ግብሪ ሃዋርያት 2:9–11 · ግብሪ ሃዋርያት 12:17 · ትመ15
ጴጥሮስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12 ድሕሪ ምእሳሩ፡ «ናብ ካልእ ቦታ ኸደ» (ግብሪ ሃዋርያት 12:17)። ኣብዚ መልእኽቱ፡ ንሱ፡ ከምቲ ዝመስል፡ ሓድሽ መዳይ ኣገልግሎቱ ንዝኾኑ ሰባት ይዛረብ ኣሎ። ካብቲ ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ገለ ዘተባብዕ መደምደምታታት ክንወስድ ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፡ ንስብከት ጴጥሮስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2 ኣብ ምጅማር ዘመን ቤተ ክርስቲያን ክንዝክር ኢና፣ ሽዑ ብዙሓት ኣይሁድ ንበዓል ጰንጠቆስጠ ንምብዓል ኣብ የሩሳሌም ነበሩ። ብፍላይ፡ ገሊኦም ካብ ጶንጦስን ቀጶዶቅያን (2:9–11) ነበሩ፣ ካብዞም ከተማታት እዚኦም ዝመጹ ሰባት ድማ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካብቶም ቀዳሞት ሓደስቲ ኣመንቲ ክርስቶስ ከም ዝነበሩ ጥርጥር የብሉን። ወንጌል ናብቲ ቦታታት ተሰኪሙ ከም ዝኸደ ይኸውን፣ ሕጂ ድማ ጴጥሮስ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕዮ ንምክትታል ፍሉይ መሰል ነበሮ።
ጴጥሮስ ንክርስትያናት ኣብ ከባቢ ገላትያ እውን ተዛሪቡ። ርግጽ እዩ፡ ጳውሎስ እውን ብእግዚኣብሔር ኣብቲ ከባቢ ተጠቒሙ እዩ፣ ብሓቂ ድማ መልእኽቱ ናብ ገላትያ ንጴጥሮስ ይጥቅስ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ጴጥሮስ ንኣመንቲ ኣህዛብ ዝገበሮ ገለ ግብዝናዊ ተግባራት ምግናሕ ከም ዘድለዮ ተዛሪቡ። ድሕሪ እቲ ኣድላዪ ምእራም ግን፡ ንጴጥሮስ ዝተረፈ ሕፍረት ኣይነበረን። ከም መዓይይቲ ምስ ጳውሎስ ብናጻ ጸሓፈሎም (ተመልከት 2 ጴጥ. 3:15)።
ድሕሪኡ ጴጥሮስ ንቢታንያ ጠቒሱ። እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ እዛ ከተማ እዚኣ ዘሎ ካልእ ጥቕሲ፡ ጳውሎስ ኣብኡ ክሰብኽ ከም ዝፈተነ፡ ግናኸ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይፈቐደሉ (ግብሪ ሃዋርያት 16:7) የርኢ። ብግልጽ እዩ፡ ንጴጥሮስ ዝተሓዝ መዳይ ኣገልግሎት ነይሩ፤ ኣብዚ ድማ ጴጥሮስ ኣብ መንጎኦም ከም ዘገልገለ ንረክብ።
ከምቲ ምስ ጴጥሮስ ዝኾነ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ኣገልግሎት ንእግዚኣብሔር ኣብ ገለ እዋናት ስራሕ ምክትታል የጠቓልል። ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምስ ካልኦት ምትሕብባር ከጠቓልል ይኽእል፤ ካልእ ኣገልግሎት ድማ እግዚኣብሔር ብፍላይ ንዓና ዝሓዘልና ናይ ፈር ቀዳማይ ዕዮታት ከጠቓልል ይኽእል። ኣብዚ ኩሉ ነገራት ንኽመርሓና ክንውከሎ ንኽእል ኢና።