እዚ ብሓቂ እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ምስጢር እዩ እሞ፡ ሰብኣዊ ኣእምሮ ኺርድኦ ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ብዓብይነቱ ኸኣ ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። መን ፍጡር እዩ እሞ ንኹሉ ዝኽእል፣ ንኹሉ ዝፈልጥ፣ ኣብ ኩሉ ዝርከብ—ዘይተወሰነን ዘለኣለማዊን ዝኾነ ኪርድኦ ዝኽእል? ኩላትና ድኹማት፣ ዘይፈልጥን፣ ውሱንትን ኢና፣ ንዘለኣለማዊነት ኸኣ ኣይንርድኦን ኢና።
ሰባት፡ ንኣምላኽ ስለ ዘይንርእዮ፡ ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ባህርያት ኣምላኽ እትነግረና መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እያ ኢሎም ኪሞግቱ ይኽእሉ እዮም። ግናኸ ኩሉ ፍጥረት ንዘለኣለማዊ ሓይሊ ኣምላኽን መለኮታዊ ባህርዩን ይምስክር። ሮሜ 1:20 ነዚ ትምስክር፡ “እቲ ዘይርአ ባህርያቱ፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮታዊ ባህርዩን፡ ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግልጺ ይርአ ኣሎ፡ ብዝተፈጥረ ነገራት ድማ ይፍለጥ ኣሎ እሞ፡ መመኽነይታ የብሎምን።” ፈጣሪ ኻብ ፍጥረቱ ብርግጽ ዝዓበየ ኪኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ኣምላኽ ብስጋ ኺግለጽ ምኽኣሉ፡ ካብ ኩሉ ሰብኣዊ ኣእምሮ ንላዕሊ ዘገርም እዩ። ዘይከኣል ይመስል፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ነዚ ዕድል እዚ እውን ይነጽግዎ። ግናኸ፡ ብጥበብ እንተ ኣተሓሳሲብና፡ ኣዝዩ ዓብዪ ዝኾነ ኣምላኽ፡ ከምዚ ዝበለ ግሩም ሓይልን ጥበብን ዘለዎ ኣምላኽ፡ ዓብዪ ክብሪ መለኮታዊ ባህርዩ ኸይገደፈ ሰብ ብምዃን ንርእሱ ኺገልጽ ከም ዝኽእል ምእማን ይኸብድ ድዩ?
እቲ ብስጋ ዝገበሮ ዘደንቕ ምግላጽ ርእሱ፡ ንዓብዪ ክብሩን ንዓብዪ ፍቕሩን ሕያውነቱን ናብ ሰብኣውነት ዝምስክር እዩ። ብዛዕባ እዚ ዘደንቕ ምግላጽ ህያው ኣምላኽ ብስጋ ጐይታ የሱስ ኩሉ ክንርድኦ ኣየድልየናን እዩ። ግናኸ፡ እንተ ዘይተረድአና እውን፡ ንዕምቆት ኣምልኾን ኣኽብሮትን ልብና ይጽውዕ። “ኵሉ ኻብኡን ብእኡን ናብኡን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን” (ሮሜ 11:36)።




