እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ብቻርለስ ስቱድ (1860 - 1931)፣ ኣብ ቻይና፣ ህንድን ኣፍሪቃ ንጐይታ ዘገልገለ ብሪጣንያዊ ሚስዮናዊ እዩ ተጻሒፉ። እቶም ሓሳባት ብሓደ መጠን ጥንቃቐን ብሓደ መጠን ቀልድን ክጥዕሙ ኣለዎም። ይኹን እምበር፣ ኣምላኽ ንልብና ንምትንካፍ ክጥቀመሎም ይኽእል እዩ፦
ዳንኤል ካልእ ጅግና ነይሩ። ብርግጽ ነይሩ! ንሱዶ ኣይነበረን እቲ ኣዝዩ ፍቑር ሰብኣይ ኣምላኽ፣ ንሱ ኸምኡ ምዃኑ ንምግላጽ መልኣኽ ዝለኣኸሉ?
ብጽኑዕ ስጉምትን ብብሩህ ገጽን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክኸይድ ከሎ ክርእዮ ይፈቱ፣ ሓንሳብ ጥራይ ደው ይብል — ከም ጐይታኡ ናብ ጎልጎታ ክኸይድ ከሎ — ንብዕራዩን ንዝተጨነቐ ንጉሱ ንምጽንናዕ። ኣምላኽ ኣፍ ኣናብስ ንዳንኤል ኣዕጸዎ፣ ግናኸ ነቶም ንባርያኡ ኣፎም ዝኸፈቱ ኣፎም ብሰፊሑ ከፈተ።
ሰብ ብግብሩ ይፍለጥ፣ ግብሪ ዳንኤል ድማ ሰለስቱ ኣዕሩኽቱ ነበሩ፣ ንሳቶም ድማ ንሰብ ወይ ንወርቂ ካብ ምግምማዕ ንላዕሊ ንሓዊ እቶን ተቓወሙ።
እንደገና ናብ ኣዳራሽ ድግስ ክኸይድ ንርእዮ፣ መራሒኡ ድማ ኣብ እዝኑ «ቀስ በል ዳንኤል፣ ከም ፖለቲከኛ ኩን። ብጥበብን ብብልሓትን እንተኾይንካ — ብፍላይ ብብልሓት! — እንደገና ቦታን ስልጣንን ክትረክብ ኢኻ!» ክብል ንሰምዖ። ዳንኤል ድማ ብቐሊሉ «ናብ ድሕረይ ኪድ ሰይጣን!» ኢሉ መለሰ። ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው ይብል፣ ስቓይ ወይ ብኡብኡ ሞት ይገጥሞ — ግናኸ እቲ ዝፈርሕ ንጉስ እዩ እምበር ዳንኤል ኣይኮነን — ንንጉስ ብገጹ ንምሉእ ሓቂ ኣምላኽ ይነግሮ፣ ሓንቲ እኳ ከይጎደለ።ሲ.ቲ.ኤስ.





