«እዚኣ ድማ ህይወት ዘለኣለም እያ፡ ንዓኻ፡ ንሓደ ሓቂ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪፈልጡኻ።» (ዮሃንስ 17:3)
ንኣምላኽ ብተመክሮ ምፍላጥ ካብ ናይ ስነ-መለኮት መጽሓፍ ብዛዕባ ኣምላኽ ምፍላጥ ፍጹም ፍልይ ዝበለ እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ከም ዝፈልጦ ኣይትበልን ኢኻ እንተ ዘይተመኪርካዮ (ፊልጲ 3:8, 10)። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ፍልጠት ኩሉ ግዜ ተመክሮ የጠቓልል። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ሓቅታት ካብቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ተመክሮ ዝበለጸ ስለ ዝኾነ፡ ተስፋ ክትቖርጽ ትኽእል ኢኻ።
ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካን ብህይወትካን ክሰርሕ እንተ ዘይተመኪርካ፡ ብዛዕባ ሓይሊ ኣምላኽ ብኻልኦት ዝተገብረ ነገር እናተሓጐስካ፡ ብኻልእ ዝተረኽበ ፍልጠት ኣይትዕገብ። ጸሎት የሱስ፡ ንኣምላኽን ንምህላዉን ኣብ ህይወትካን ተመክሮኻን ክትፈልጦም እዩ ነይሩ። ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዝተገለጸ ጥራይ ስለ ዘይተመኪርካዮ ኣይትሕሰሞ።
ንተመክሮኻ ናብ ደረጃ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣምጽኦ፤ ንቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ደረጃ ተመክሮኻ ኣይተውርዶ። ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኣእምሮኣዊ ፍልጠት ኣይትዕገብ። የሱስ፡ ንዕምቈትን ስፍሓትን ቁመትን ፍቕሩ ኽትመክርን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንፍቕሪ ኣምላኽን ንዘይውዳእ ፍቕሩን ክትሕጐስን ጸለየ።
ዘይትመክር ዘለኻ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት እንተ ኣሎ፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኣቕምጦ እሞ ኣምላኽ ናብ መዓልታዊ ተመክሮኻ ከምጽኦ ሕተቶ። ነቲ መብጽዓኡ ንምቕባል ክትገብሮ ዘለካ ምምዕርራይ እንተ ኣሎ ንኣምላኽ ሕተቶ። ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ተስፋ ኣይትቑረጽ፤ ክሳዕ ብምሉእ ትመክርዎም ምሳታቶም ጽናሕ።





