ክርስትያናዊ ዕግበት ብቓላት ሃዋርያ ይግለጽ፡ «ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት እንተ ኾንኩ፡ በቲ እቲ ኽዕገብ ተማሂረ እየ።» ኣብ ውሽጡ ምንጪ ዕግበት፡ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዚፍልፍል ማይ ምንጪ ነበሮ። ስለዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ነጻ ነበረ።
«ጽቡቕ ሰብ ካብ ርእሱ ኺዕገብ እዩ።» (ምሳሌ 14:14)
ብፍርሃት ኣምላኽ እናተመላለሰ፡ ንኣምላኽ ከም ዜሐጕሶ ዘሎ ውሽጣዊ ምስክርነትን ኣብ ዅሉ ዝበቕዐ ክርስቶስ ዘሎ ጽኑዕ ዕግበትን ኣለዎ።
ዜደንቕ—ኣይኮነንዶ?—ኣብዛ ዘይዕገበት፡ ዘየዕግበት ዓለም (ኣብኣ ሰባት ይሃንጥዩን ይጭነቑን፡ ዕረፍቲ ይደልዩን ኣይረኽብዎን) ሓደ ሰብ «ይኣክል!» ኪብል ኪኽእል?
«ሕጂ ባዶ ቦታ የብለይን» በለ ሓደ ክርስትያን፡ ናብቲ ሓጢኣተኛ መዘናግዒ ቦታታት ኪኸይድ ምስ ተሓተተ፡ ኣብኡ ሓደ ግዜ ዕግበት ልቢ ደልዩ (ግናኸ ፈጺሙ ኣይረኸበን)። ዕግበት ልቢ ኣብ ፍልጠት፡ ምሕዝነት፡ ከምኡ ድማ ኣገልግሎት ክርስቶስ ጥራይ እትበቍል ዕምባባ እያ። ግናኸ ኣብኡ ትበቍል። ኣምላኽ ብሃብታም ጸጋኡ ንሰማይ ንዓና ድሕሪ ሕጂ ዝመደበ፡ ንዓና ኣብዚ ሕጂ ድማ ሓጎስ ከመይ ከም ዚህበና ይፈልጥ።
እዚ ሃዋርያ ተማሂሩ ነበረ «ኣብ ኵሉ ቦታን ኣብ ኵሉ ነገርን ምሉእ ክኸውንን ክጠሚን፡ ክበዝሕን ክድክምን ተማሂረ እየ። ኵሉ ብክርስቶስ ብዝሕይለኒ ኽገብሮ እኽእል እየ።»
ንሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መከራ ተመሪቑ ነበረ። ንሱ ድማ ከም ባዕልና ዝኣመሰለ ሰብ ነበረ። እዚ ኣይንረስዕ።






