«ኣምላኽ ቀደም ብብዙሕ ግዜን ብብዙሕ መገዲን ብነብያት ገይሩ ንኣቦታት ተዛረቦም። ኣብዚ ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣቶም ግና ብወዱ ገይሩ ተዛሪቡና።» (እብራውያን 1:1-2)
ወለዶና ብመገድታት ተዋፊሩ እዩ። ኣብ ሓደ ንግዲ ዚሰርሕ መደብ ምስ ረኸብና፡ ንኻልኦት ኪሰርሕ ኢልና ብኡብኡ ነቲ መደብ ክንዕሽጎን ክንዝርግሖን ንደሊ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ናብ መንፈሳዊ ህይወት እውን ይሰጋገር። ብክርስትያናዊ ህይወትና ንምዕጋብ «ዚሰርሑ» መንፈሳዊ ስነ-ስርዓታት፡ መጻሕፍቲ፡ ሰሚናራት፡ ወይ ጉባኤታት ንምርካብ ብዙሕ ሓይሊ ነጥፍእ። ኣምላኽ ብመገድታት ክንእምን ኣይደልየናን። ብእኡ ክንእምን እዩ ዚደልየና።
ብመገድታት እምበር ብሰብ ዘይምእማን፡ ንኣምላኽ እንረኽበሉ መገዲ ብሓቂ ይገደብ። ብዝተወሰኑ መገድታት ጥራይ ክዛረበና ኸም እንጽበዮ ኸለና፡ ኣምላኽ ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ንላዕሊ ብዙሕ ከም ዝኾነ ንርስዕ። ቀደም ኣምላኽ ብሕልምን ራእይን ይዛረብ ነበረ። ንተፈጥሮ፡ ተኣምራዊ ምልክታት፡ ነብያት፡ ህዱእ ንእሽቶ ድምጺ፡ ሓዊ፡ መለኸት፡ ጸምሪ፡ ዕጣ፡ ከምኡውን መላእኽቲ ተጠቒሙ። ኣብ ፍርቂ ለይቲ፡ ኣብ ግዜ ኣምልኾ፡ ኣብ ግዜ ምሳሕ፡ ኣብ ግዜ ሓዘን፡ ሰባት ኣብ መገዲ ኺኸዱ ኸለዉ፡ ብስብከታት፡ ኣብ ማእከል ማዕበል፡ ከምኡውን ብወዱ ገይሩ ተዛሪቡ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣይነበረን ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዝተዛረበ፡ የግዳስ ከም ዝተዛረበ እዩ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ብሕልሚ እንተ ዚዛረበና፡ መለኮታዊ ምግላጽ እናተጸበና ኣብ ዓራትና ምተረፍና! ኣምላኽ ንምዝራብ ዚጥቀመሉ መገዲ ኣገዳሲ ኣይኮነን፤ እቲ ዚዛረብ ምዃኑ እዩ ኣገዳሲ።
ንርእስኻ ብሓደ መገዲ ኣይትገደብ፡ ካብ ኣቦኻ ብዝተወሰኑ መገድታት ጥራይ ክትሰምዕ ኣይትጸበ። የግዳስ፡ ኣምላኽ ምስኻ ኪራኸበሉ ዚደሊ ንኻልኦት መገድታት ንርእስኻ ክፈት። መንፈስ ቅዱስ ንመልእኽቲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ከም ዚስምዓካ ይግበር። ሽዑ ንድምጹ ምስ ተቐበልካ፡ ንኣምላኽ ብሓድሽ መልክዕ ክትረኽቦ ኢኻ።





