እቲ ኣጥር
«ኩሉ ሓጎስ ጌርኩም ቁጸርዎ . . . ብዝተፈላለዩ ፈተናታት ምስ ተኸበብኩም፡ ምፍታን እምነትኩም ናብ ሓይሊ ትዕግስቲ ከም ዝመርሕኩም ርግጸኛታት ኩኑ።» (ያዕቆብ 1:2-3 WEYMOUTH)
ኣምላኽ ንናቱ ንምክልኻል የጥርዮም። ግናኸ ብዙሕ ግዜ ነቲ ጌጋ ሸነኽ ናይቲ ኣጥር ጥራይ ይርእዩ እሞ፡ ስለዚ ድማ ንተግባራቱ ይጋገዩ። ከምኡ ድማ ንእዮብ ነበረ፡ «መገዱ ንዝተሰወረሉ፡ ኣምላኽ ድማ ንዝኣጠሮ ሰብ ስለምንታይ ህይወት ተዋህቦ?» (እዮብ 3:23) ኢሉ ምስ ሓተተ። ኣህ፡ ግናኸ ሰይጣን ነቲ ኣጥር ዋጋኡ ይፈልጥ ነበረ! ንእግዚኣብሔር ድማ፡ «ንስኻስ ንዕኡን ንቤቱን ንዘለዎ ኩሉን ኣጥር ኣይገበርካሉን ዲኻ?» (እዮብ 1:10) ብምባል ተገዳደረ። ኣብ ገጻት ኩሉ ፈተናታት ጸቢብ ናይ ብርሃን ጨረር ይበርህ።
እሾኽ ክሳዕ ዘይትድገፈሉ ኣይወግኣካን እዩ፡ ሓደ እኳ ብዘይ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይትንክፈካን እዩ። እቲ ዝጎድኣካ ቃላት፡ እቲ ዘሕመመካ ደብዳበ፡ እቲ ናይ ዝቐረበካ ዓርክኻ ጭካኔ፡ እቲ ናይ ገንዘብ ኣድላይነትካ—ኩሉ ንዕኡ ፍሉጥ እዩ። ከም ካልእ ዝኾነ ሰብ ዘይኮነ ይድንግጸልካ፡ ብኹሉ እዚ ድማ ብምሉኡ ክትእመኖ ትደፍር ዲኻ ንምርኣይ ይዕዘበካ።





