ዘይተቐያየረ ባህሪ ኣምላኽ
«ለውጢ እቲ ክትምርኮሉ እትኽእል ሓደ ነገር እዩ» በለ እቲ ክኢላ ህዝቢ። እቲ ክኢላ ኣየር ከምዚ ኢሉ ገለጾ: «ኣብ ምድሪ ዘሎ ሓደ ዘይተቐያየረ ነገር ለውጢ እዩ። ንኣየር ጥራይ ተመልከት።» እቲ ክኢላ ቴክኖሎጂ ትንቢት ተነበየ: «ኣብዚ መወዳእታ ዘመን ካብቲ ዝተረፈ ኹሉ ዝበዝሐ ለውጢ ክንርኢ ኢና።» ግን ለውጢ ኣብ ህዝቢ: ተፈጥሮ: ከምኡ'ውን ቴክኖሎጂ ጥራይ ኣይኮነን ዚፍጸም። ንዶባት ሃገራት: ከምኡ'ውን ንፖለቲካዊን ቁጠባዊን ኣሰራርሓኦም ተመልከት። ምብራቕ ጀርመን ሎሚ ኣበይ ኣላ? ሕብረት ሶቭየት? ዛየር?
ለውጢ ብዛዕባ መጻኢ ኣዝዩ ዘይተረጋገጸ ይገብረና። ንሱ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ክቕይሮ ይግባእዶ? ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ሕጋውነትን ምልልስን ብሓንሳብ ክህልዉ ከለዉ ክንሕደግ ይግባእዶ? ከምኡ'ውን ብዙሕ ግብዝና? ከምቲ ሚልክያስ 3:15 (NIV) ዚብሎ: «እቶም ትዕቢተኛታት ይባረኹ ... እቶም ገበርቲ እከይ ይዕወቱ: እቶም ንኣምላኽ ዚብድሉ'ውን ይድሕኑ» ስለ ዝኾነ: ክንሕደግን ከም ዓለም ክንነብርን ይግባእዶ? ከምቶም ኣብ ግዜ ሚልክያስ ዝነበሩ: «ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ። ንሕና ንሕጋቱ ብምፍጻም እንታይ ረኸብና?» እናበልና ንኣምላኽ ክንሕደግ ይግባእዶ?
እቶም ዝቕጽሉ መዓልትታት እንታይ ለውጥታት ከም ዜምጽኡ ኣይንፈልጥን: ግን ነዞም ለውጥታት እዚኦም ዜሕልፈና ዘይቕየር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ከመይ ጌርና ንፈልጥ? ሚልክያስ ጐይታ ባዕሉ እንታይ ከም ዝበለ ይነግረና:
ኣነ እግዚኣብሄር ኣይቕየርን እየ (ሚልክያስ 3:6)።
ያእቆብ 1:17 ድማ ይብል:
እቲ ኣቦ ... ከም ዚቕየሩ ጽላሎት ኣይቕየርን።
ድሕሪኡ እብራውያን 13:8 የረጋግጸና:
የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ሓደ እዩ።
ለውጢ ነቲ ሕጂ ዘሎ ጸሊም: ነቲ መጻኢ ድማ ዝያዳ ጸሊም ምስ ዚገብሮ: እቶም ንጐይታ ዚፈርሁ ዘይተቐያየረ ባህሪኡ ክዝክሩ: ንሓድሕዶም ከም ተባብዑ: ከምኡ'ውን ብሓንሳብ ብዛዕባ ስሙ ከም ዚሓስቡ ይግባእ (ሚልክያስ 3:16)። እዚ ሓደ ካብቶም ነብዪ ሚልክያስ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ዜምጽኣልና መልእኽቲ እዩ። ብዛዕባ እዚ ነብይን ካልኦት መልእኽታቱን ዝያዳ ክትፈልጥ ትደሊዶ? ናብ ክልተ ኣርእስትታትና ተመልከት።





