መጽሓፍ ቅዱስ ይብል፦
ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ድሕሪኡ ኻልእ ኪገብሩ ዘይክእሉ ኣይትፍርህዎም። ንመን ከም እትፈርህዎ ግና ኣነ ኸርእየኩም፦ ነቲ ድሕሪ ምቕታል ናብ ገሃነም ኪድርቢ ስልጣን ዘለዎ ፍርህዎ። እወ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ንእኡ ፍርህዎ (ሉቃስ 12:4-5)።
እዞም ፍቕድታት ኣርባዕተ ነጥብታት የቕርቡ፦
- ገሃነም ድሕሪ ሞት እዩ ዝመጽእ።
- ካብ ሞት ንላዕሊ ክትፍርሆ ዝግብኦ እዩ።
- ኣምላኽ ጥራይ እዩ ናብኡ ኬእትወካ ዝኽእል።
- ገሃነምን መቓብርን ሓደ ኣይኮኑን።
የሱስ ባዕሉ እዞም ቃላት ተዛሪቡ፣ ንሱ ኸኣ ፈጺሙ ንምፍርራህ ኣይተጠቕመን፤ ንሓቂ እዩ ተዛሪቡ። ንገሃነም ከም ቦታ «ስቓይ» (ሉቃስ 16:23) ከምኡ እውን ቦታ «ዘይጠፍእ ሓዊ» (ማርቆስ 9:43-48) ገሊጽዋ።
ኣብ ማቴዎስ 25:41 ጐይታ ይብል፣ «ኣቱም ርጉማት፡ ናብቲ ንዲያብሎስ እተዳለወ ዘለኣለማዊ ሓዊ ኺዱ።» ነቲ «ዘለኣለማዊ ሓዊ» ዝብል ቃል ኣስተብህል። ገሃነም መጀመርታ ን«ዲያብሎስ» ከም ዝተዳለወ እውን ኣስተብህል።
ዲያብሎስ ብኸቢድ ከም ዝቕጻዕ ዝጠራጠር ኣሎ ድዩ? ሽዑ ኸመይ ገይሩ ሓደ ሰብ ንሓቂን ንኸብድን ገሃነም ክጠራጠር ይኽእል?
ገሃነም እቲ ዓመጸኛታት ኣብ ትሕቲ ቍጥዓ ጻድቕ ኣምላኽ ዝሳቐዩሉ ቦታ እዩ። ኣምላኽ ከም ዝገለጾ ፈጺሙ ኣይውሕድን እዩ፦
እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስ ከኣ ናብቲ ሓውን ዲንን ዘለዎ ቊልቊለት ተደርበየ…ንዘለኣለም ድማ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም…ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኸኣ ናብቲ ሓዊ ቊልቊለት ተደርበየ (ራእይ 20:10,15)።
ብዛዕባ ሰማይከ?
ኣምላኽ ድሕሪ ሞት ናበይ ከም እንኸይድ ምርጫ ሂቡና ኣሎ – ወይ ሰማይ ወይ ገሃነም።
ናብ ገሃነም ክትከይድ እንተደሊኻ፣ ናብ ሰማይ ንምኻድ ብቑዕ ምዃንካ ምጽናዕካ ቀጽል። ብጽቡቕ ግብርታትካን ብሃይማኖትካን ምእማንካ ቀጽል፣ ሽዑ ከም ዝሞትካ ናብ ገሃነም ምኻድካ እውን ክትተኣማመን ኢኻ።
ኣምላኽ ምድሓን ከም ዝኾነ ይብል
ሓደ እኳ ኸይተመክሐ፡ ብግብሪ ኣይኰነን (ኤፌሶን 2:9)።
ንሰማይ ንምኻድ እኹል ጽቡቕ ግብርታት ምግባር ወይ እኹል ጽቡቕ ምዃን ዘይከኣል እዩ። ድሮ ብሓጢኣት ጠፊእካ ኣለኻ፣
ኵሉ ሰብ ሓጢኣት ገይሩ እዩ እሞ፡ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ስኢኑ እዩ (ሮሜ 3:23)።
እንተዘይጠፊእካ፣ ኣምላኽ ንሓደ ወዱ ምእንቲ ክትሳቐየልካን ክመውተልካን ምሃቡ ኣየድልን ነይሩ።
ምርጫ ናትካ እዩ!
ብጐይታ የሱስ ክርስቶስ እንተኣሚንካ፣ ካብ ገሃነም ክትድሕን ኢኻ (ግብሪ ሃዋርያት 16:31)።
ስለምንታይ? ምኽንያቱ
ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ሃበ (ዮሃንስ 3:16)።
ብወዲ እንተኣሚንካ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ሰማይ ክትረክብ ኢኻ። ግን፣ ብወዲ እንተዘይኣሚንካ፣ ቍጥዓ ኣምላኽ ኣብ ገሃነም ክትረክብ ኢኻ (ዮሃንስ 3:36)።
ሕጂ ካብ ነብስኻን ሓጢኣትካን ተመሊስካ ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻን ጐይታኻን ኣይትቕበሎን ዲኻ? ካብቲ ንዕድመ ምድሓን ኣምላኽ ንዝነጽጉ ዝጽበዮም ዘሎ ዘስካሕክሕ ዕድል ገሃነም ድሓን።
ገሃነም ሓቂ እዩ፣ ግን ንዘለኣለም ንምርግጋጹ ክትጽንሕ ኣየድልየካን እዩ!





