እቲ እትፈልጦ እዩ ዝቑጸር!
«እቲ እትፈልጦ ዘይኮነስ፡ እቲ እትፈልጦ ሰብ እዩ» በለ ሓደ መንእሰይ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ንግዲ ኣቦሓጎኡ ምምሕያሽ ምስ ረኸበ።
ገሊኦም ሰባት ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎም ብጽቡቕ ዕድል እዮም። እቲ ብሓቂ ክትፈልጦ ዘሎካ ሓደ ዓርኪ ግና የሱስ ክርስቶስእዩ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብሓያል ሓይሉ ህይወቶም ስለ ዝተለወጠ፡ ንዕኡ የኽብርዎ።
ንስኻ ትፈልጦዶ? ማለት ብሓቂ ትፈልጦዶ? መን ምዃኑ? ስለምንታይ ከም ዝመጸ? እንታይ ከም ዝገበረ?
ሰብነቱ
ምምጻእ የሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም፡ ንመሰረት ታሪኽ ለወጦ።
እቲ ፍጻሜ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝነበረ፡ ብምሉኣ ዓለም ናይ ሎሚ ዕለት ከም ድ.ክ. ተባሂሉ ይምዝገብ፡ እዚ ድማ «ኣብ ዓመት ጐይታና» ማለት እዩ።
ግርማዊ ልደቱ ኣብ ልደት ንዝክር። ሞቱ ግና ዝበለጸ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ንናይ ገዛእ ርእስና መንፈሳዊ ዳግማይ ምውላድ ስለ ዘኽኣለ – እዚ ድማ ተኣምር እዩ!
ተኣምራቱ
ሓደ ፍሉጥ ሃይማኖታዊ መራሒ ንየሱስ ከምዚ በሎ፡
«ኣምላኽ ምስኡ እንተ ዘይኮይኑ፡ ሓደ እኳ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ትእምርቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ።»
የሱስ ናብቲ ዝዓበየ ተኣምር – ናይ ሓድሽ ልደት ተኣምር – ኣመልከቶ።
«ሓደ እኳ ኻብ ማይ ከምኡ ኻብ መንፈስ እንተ ዘይተወልደ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኪርኢ ኣይክእልን እዩ» (ዮሃንስ 3:2-3)።
ሓድሽ ልደት ብሓቂ ብመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝፍጸም፡ ንሱ ድማ ኣብ ክርስቶስ ክንእምን ከሎና፡ ኣብ ነፍስና መለኮታዊ ህይወት የፍሪ።
ስጋዊ ልደት ስጋዊ ህይወት ይህበናን ኣካል ስድራቤት ሰብ የገብረናን።
ብተመሳሳሊ፡ መንፈሳዊ ልደት መንፈሳዊ ህይወት ይህበናን ኣካል ስድራቤት ኣምላኽ የገብረናን።
ፍቕሩ
ሓቀኛ ዕርክነት ብፍቕሪ እዩ ዝጅመር፡ የሱስ ክርስቶስ ድማ ስለ ዝፈቕረና ካብ ሰማይ መጸ።
ንሓጢኣትና ዋጋ ንምኽፋልን ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምምላስን መጸ።
ንመንፈሳዊ ሞይቶም ዘለዉ ህይወት ዝህብ ንሱ እዩ።
የሱስ ነዚ ሓድሽ ህይወት እዚ ንኣቡኡ ከምዚ ምስ በለ ጠቐሶ፡
«እዚኣ ድማ እታ ዘለኣለማዊት ህይወት እያ፡ ንዓኻ፡ ንበይናዊ ሓቀኛ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስ ድማ ምፍላጥ» (ዮሃንስ 17:3)።
ምድሓኑ
ክርስቶስ ንሓጢኣት ክቐጽዕ ዘለዎ ቅዱስን ጻድቕን ኣምላኽ ዘዕገበ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሓጥእ ይቕረ ኪብል ዝደሊ ፍቑርን ጸጋዊን ኣምላኽ እውን ዘዕገበ፡ ግሩም ናይ ምድሓን ትልሚ ኣምላኽ ንምግላጽ መጸ።
እዚ መለኮታዊ ትልሚ እዚ ብየሱስ ክርስቶስ ተፈጸመ፡ ኣምላኽ ድማ
«ንሱ ሓጢኣት ዘይፈልጥ እናሃለወ፡ ንሕና ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ክንከውን፡ ንሱ ሓጢኣት ገበሮ» (2 ቈረንቶስ 5:21)።
ምስጥዓትካ
እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ሓድሽ ህይወት ብጽቡቕ ብናይ መርዓ ስነ-ስርዓት ዝግበር መብጽዓ ይግለጽ።
እቲ ሓጺር «እወ» ናይ ፍቕሪ መብጽዓ ብኽልተ ሰባት የዕትም፡ ንሳቶም ድማ ንገዛእ ርእሶም ዘይኮነስ፡ ንሓድሕዶም ክነብሩ ይምብጽዑ።
ጐይታ የሱስ ንዓኻ ናቱ ክገብረካ ይደሊ።
ይፈትወካ እዩ፡ ንፍቕሩ ኸኣ ክትምልስ ይናፍቕ።
ፍቕርን ዘለኣለማዊ ህይወትን ካብ ኣምላኽ ዝርከቡ ህያባት እዮም (ሮሜ 6:23)።
ካብ ሃይማኖት ምምምማር ወይ ጽቡቕ ግብሪ ምግባር ዝርከቡ ኣይኮኑን፡ የግዳስ ምስ ወዱ ብዝግበር ብሕታዊ ርክብ እዮም።
ስጉምቲኻ
ንወዲ ኣምላኽ ከም ጐይታኻን መድሓኒኻን ንምቕባል፡ ነዘን ኣርባዕተ ትርጉም ዘለወን ስጉምትታት ክትወስድ ኣሎካ፡
- ተኣመን ሓጥእ ምዃንካ፤
- ተነስሕ ንይቕረታ ኣምላኽ ድማ ሕተት፤
- እመን ደም የሱስ ንሓጢኣትካ ዋጋ ከም ዝኸፈለ፤
- ተቐበሎ ብጸሎት ናብ ልብኻን ህይወትካን።
ምርግጋጽካ
ነዘን ኣርባዕተ ስጉምትታት ክትወስድ ከሎኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ኣርባዕተ ነገራት የረጋግጸልካ፡
- ብንስሓ ምሕረት ሓጢኣት (ሉቃስ 15:7)፤
- ብምእማን ምድሓን (ኤፌሶን 2:8)፤
- ሰላም ምስ ኣምላኽ (ሮሜ 5:1)፤
- ዘለኣለማዊ ገዛ ኣብ «ቤት ኣቦ» (ዮሃንስ 14:2)።
ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ከም ብሕታዊ መድሓኒኻ ብምቕባልን ብምእማንን፡ ዳግማይ ትውለድ፡ ኣባል ስድራቤት ኣምላኽ ድማ ትኸውን፡ ተቐባሊ ፍቕሩን ጸግኡን ድማ ትኸውን።
መንፈስ ኣምላኽ ምስ መንፈስካ ይምስክር፡ ንስኻ
ኣብ ክርስቶስ «ሓድሽ ፍጥረት» ምዃንካ (2 ቈረንቶስ 5:17)።
ሕጂ ድማ ምስ ቃል ኣምላኽ ዝሰማማዕ ናብራ ህይወት ዘርእዩ ክርስትያናዊ ባህርያት ንምርኣይ ሓይሊ ተዋሂብካ ኣሎ።
ተሓታትነትካ
ናይ ኣምላኽ ናይ ምድሓን ዕድል ምእባይ ወይ ምግፋፍ ዘስካሕክሕ ሓሳብ እዩ – ዘለኣለማዊ ዕድልካ ኣብ ውሳነኻ ይምርኮስ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
«ነፍሲ ወከፍና ንኣምላኽ ርእሱ ኺሕሰብ እዩ» (ሮሜ 14:12)።
ሓጢኣቱ ብጽሩይ ደም ክርስቶስ ዘይተሸፈነ ሓጥእ ኪፍረድን ኪኹነንን እዩ፡
«እቲ ንወዲ ዘይኣምን ግና ህይወት ኣይኪርእን እዩ፡ የግዳስ ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር» (ዮሃንስ 3:36)።
እቲ ብሞት ወዱ ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቐ ሓጥእ ናብ ሰማይ ኪኣቱ እዩ።
ዓብይነት ምድሓኑ ምስ ተረድአ፡ ንዝፈቕሮ ጐይታኡ ኺሰግድ እዩ፡ ምስ ኩሎም ዝደሓኑ ድማ
«ምልኣት ሓጐስ»ን «ዘለኣለማዊ ባህታ»ን ኪረክብ እዩ (መዝሙር 16:11)።
ሕቶና
ዘክር፡ እቲ እትፈልጦ ዘይኮነስ፡ እቲ እትፈልጦ ሰብ እዩ ዝቑጸር።
ብዙሓት ብዛዕባ የሱስ ይፈልጡ፡ ንሕና ግና ከም ጐይታኻን መድሓኒኻን ብሓቂ ክትፈልጦ ንደሊ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
«ብኣፍካ ንጐይታ የሱስ እንተ ተኣመንካ፡ ኣምላኽ ከኣ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ ብልብኻ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ» (ሮሜ 10:9)።
ሕጂ እዚ ኣይትገብርንዶ?
— ጂ.ኤች. ፒብልስ





