ሓሳር፡ ድኹም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ዝምርኮስ ምዃነይ ምስ ዝርዳእ፡ ሽዑ እጽሊ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጸሎት ዝምልከት ቀዳማይ ጥቕሲ ናብዚ ነጥቢ እዚ ይመርሓና። ኣብ ዘፍጥረት 4:26 ከምዚ ንብብ፡ «ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ፡ ስሙ ድማ ሄኖስ ኢሉ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ንስም እግዚኣብሔር ምጽዋዕ ጀመሩ።»
ሰባት ንስም እግዚኣብሔር ምጽዋዕ ዝጀመሩ መዓስ እዮም፧ ሄኖስ ምስ ተወልደ። ሄኖስ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ እቲ እግረ-ጽሑፍ ከምዚ ይብል፡ «ድኹም ወይ ሓሳር ሰብ።» እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንጸሎት ዝምልከት ቀዳማይ ጥቕሲ ምስቲ «ድኹም፡ ሓሳር ሰብ» ዝብል ሓሳብ ተተሓሒዙ ይርከብ።
ንሕና ድኹማት፡ ሓሳራት ሰባት ኢና—ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለና ሓይሊ የብልናን፡ ጅግናታት ኣይኮናን። ኣዝዩ ውሑድ ፍልጠት ከምኡ'ውን ተመክሮ ህይወት ኣለና፡ ኣዝዩ ውሑድ ሓይሊ ኣለና፡ ኣብ ከባቢና ኣዝዩ ውሑድ ጽልዋ ኣለና። ድኹማት ከምኡ'ውን ሓሳራት ኢና። ነዚ ዝፈልጥ ዘበለ ኺጽሊ እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይብሉን ኣብ ርእሱ ዝውክልን ሰብ፡ ምናልባት ኣይጽልን እዩ።
ኣብዚ መዳይ እዚ ንኣምላኽ ብቓሉ እንተ ዝንወስዶ፡ ብዙሕ ካብ ክብሪ ኣምላኽ ምረኣና ምዃና ኣሚነ ኣለኹ። ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም። ስለዚ፡ ንጸሊ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ብቓሉ ክንወስዶ ዘተባብዑና መብጽዓታት ኣምላኽ ምሉእ እዩ። ንጸሎትና ብሓጎስ ይሰምዖ። ክብሩን ምምስጋኑን እንተ ደኣ ደሊና፡ ኣምላኽ ክንደይ ከም ዝገልጽልና ክንገረም ኢና።
ገሊኡ መብጽዓታት ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ኣሎ፦
ጸውዓኒ እሞ ክምልሰልካ፡ ዓበይትን ዘይርከባን ዘይትፈልጠን ነገራት ከኣ ክነግረካ እየ። (ኤርምያስ 33:3)
ኣብ መዓልቲ ሽግር ጸውዓኒ፡ ክድሕነካ እየ፡ ንስኻ ድማ ከተኽብረኒ ኢኻ። (መዝሙር 50:15)
ሕተቱ እሞ ኺወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ እሞ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ምታሕ እሞ ኺኽፈተልኩም እዩ። ኵሉ ዝሓትት ይቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ዝደሊ ይረክብ፡ ነቲ ዝኳሕኵሕ ድማ ይኽፈተሉ እዩ። (ማቴዎስ 7:7-8)
ሓደ እኳ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደሎ፡ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ፡ ዘይነቅፍ ኣምላኽ ይለምን፡ ኪወሃቦ ድማ እዩ። ግናኸ፡ ብእምነት ይለምን፡ ከየጠራጥር። (ያእቆብ 1:5)
ንጸሎት ዝምልከቱ መብጽዓታት ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድላይ ገለ ግዜ ወሲድኩም፡ ክትጽልዩ ከለኹም ብእምነት ኣብዚኣቶም መብጽዓታት ክትውከሉ ጀምሩ። ኣምላኽ ነዚ ኺፈልጦ እዩ።





