«ከም ብብዝሒ ሃብቲ ኸኣ ብመገዲ ምስክርታትካ ተሐጒሰ እየ» (መዝሙር 119:14)። «ኦ ሕግኻ ኽንደይ እፈትዎ! ምሉእ መዓልቲ ምምስጣረይ እዩ» (መዝሙር 119:97)። «ቃልካ ንላሕሚ ኽንደይ ጥዑም እዩ! ንኣፈይ ካብ መዓር ይጥዕም!» (መዝሙር 119:103)። ኣብዚ (ኣብ ታሕቲ) ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ከም ምግቢ ንመንፈሳዊ ህይወትና ምንባብ ዘድልዮ ዘሎ ሰለስተ ሓሳባት ኣንቢበ ነይረ፣ እዚኦም ድማ ኣዝዮም ሓጋዝቲ ኮይኖም ረኺበዮም።
ብዝበዝሐ ዝበልዑ ዘይኮኑስ፣ ብዝበዝሐ ዘምስጡ እዮም ዝበዝሐ ዝምገቡ።
- ብዝበዝሐ ዝረኽቡ ዘይኮኑስ፣ ብዝበዝሐ ዝሕልዉ እዮም ዝበዝሑ ሃብታማት።
- ከምኡ ድማ፣ ብዝበዝሐ ዝሰምዑ ወይ ዝበዝሐ ዘንብቡ ዘይኮኑስ፣ ብዝበዝሐ ዘምስጡ እዮም ብነፍሶም ዝበዝሑ ዝህነጹን ዝምገቡን ዝሃብቱን።
- መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስካ ተንብብ ዲኻ እሞ ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዘንበብካዮ ተምስጥርን ትሕጎስን ዲኻ? ከምኡ እንተ ገይርካ፣ ጥዑይ፣ ዝምገብ ክርስትያን ብቐጻሊ መንፈሳዊ ዕብየት ክትከውን ኢኻ።





