ጐይታ የሱስ ንጴጥሮስ፡ “ስዓበኒ” ኢሉ ነይሩ። ጴጥሮስ ዮሃንስ ኪስዕብ ከሎ ርእዩ፡ “ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚኸ እንታይ እዩ?” ኢሉ ሓተተ። የሱስ ድማ፡ “ክሳዕ ዝመጽእ እንተ ጸንሐ፡ ንዓኻ እንታይ ገዲሽካ? ንስኻ ስዓበኒ” ኢሉ መለሰሉ። ዜሕዝን እዩ፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ መልሲ ጐይታ ንሕቶ ጴጥሮስ፡ ብኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብ“ኣሕዋት” ብሓፈሻ እውን ብምሉኡ ተጋጊዩ ተረዲኡ ነይሩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ሎሚ ዘይርዱእ ኣይኮነን። ሓደ ነገር ንሰምዕ ወይ ብዘይፍላጥ ንሰምዕ፡ ብምሉኡ ንጋገዮ፡ ግን ከም ሓቂ ንኻልኦት ነመሓላልፎ። ምግጋይና ይላባዕ፡ እናተላብዐ ድማ ይዓብን ይቕየርን፡ ብዙሕ ግዜ ከቢድ ጉድኣትን ሓደጋን የውርድ። ልሳንና ኽንሕሉ፡ ሓሜት ክንወግድ፡ ነፍሲ ወከፍና “ምስ ብጻዩ ሓቂ ኺዛረብ” (ኤፌ. 4:25) ምዃኑ ኽንፍትሽ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ።
ዮሃንስ ወንጌሉ ኺዛዝም ከሎ፡ የሱስ ዝገበሮም ብዙሓት ካልኦት ነገራት ኪዝክር ከሎ ልቡ ተመሲጡ ነይሩ። ዮሃንስ ዝሰምዖን ዝርኣዮን ዝፈልጦን መስከረ። ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ ጸሓፈ። ግን ብዙሕ ካልእ እውን ነይሩ፡ “ዓለም ባዕላ እውን እቲ ዚጽሓፍ መጽሓፍቲ ኽትሕዝ ኣይትኽእልን!” ግን ሓሳቡ ብ“እመስለኒ” ኸም ዝጀመረ ኣስተብህል። መንፈስ ቅዱስ ግምቱ ኸም ሓቂ ኸይጸሓፈ መርሖ። ዕቤት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኸፍአ ሓሳብናን ግምትናን ኣዝዩ ይበልጾ!





