እቲ ኣብ ጥቕስና ዘሎ ቀዳማይ ኣገላልጻ፣ ቅድመ-ምድላው፣ ኣብ ዘለኣለማዊ ዝሓለፈ ግዜ ተፈጺሙ፣ ከምኡ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ኣገላልጻ፣ ክብሪ፣ ናብ ዝመጽእ ዘለኣለማዊ ግዜ ይወስደና። ኣብ መንጎ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ሎሚ ምስ ህዝቡ ዘሎዎ ምትሕግጋዝ ኣሎና።
እቲ ቓል ቅድመ-ምድላው ንበረኸት ምምልካት ማለት እዩ። ኣብ ምርጫ ኣምላኽ ንሰባት ንበረኸት ይመርጽ። ኣብ ቅድመ-ምድላው፣ ንምሩጻቱ ኺወሃብ ዝግብኦ በረኸት ይመርጽ። እዚ ኽልቲኡ ናይ ስውር ምኽሩ እዩ፣ ግናኸ ንበረኸት ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 1 ተገሊጹ ዘሎ ገሊጽልና እዩ። ኣብዚ ኣብ ሮሜ 8፣ እቶም ንበረኸት እተመደቡ፣ ኣምላኽ ከም ዝጸውዖም ተነጊርና ኣሎና። እዚ ኸኣ ብጸዋዕታኡ ንኣዳም፣ «ኣበይ ኣሎኻ?» ብምባል ይግለጽ። ሎሚ ብኸመይ ይጽውዕ? ብወንጌል እዩ። ኣብዚ ምንባብ፣ እቲ ጸዋዕታ ፍሩይ እዩ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ዝተጸውዑ ዘይመልሱ የለዉን። እቶም ዝተጸውዑ ድሕሪኡ ይጸድቁ። ዘደንቕ በረኸት! ሓጢኣትና ጥራይ ዘይኰነስ ዝጸረየ፣ ኣምላኽ ባዕሉ ንዝጸውዖም (ምእመናን) ጻድቃን እዩ ይብሎም! ንሱ ከምቲ ዝተመልሰ ወዲ ጠፋኢ፣ ድሕሪ ሕጂ ብርኹስ ክዳን ዘይኰነስ፣ ብዝበለጸ ክዳን ናይ ባዕሉ ምድላው ተኸዲንና ይርእየና። መለኮታዊ ጽድቂ፣ ጽድቂ ኣምላኽ፣ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ንጸዋዕታኡ ምስ መልስና ይወሃበና። እዚ ኸኣ ብቘርበት፣ እግዚኣብሔር ባዕሉ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ድሕሪ ምውዳቖም ዝኸደኖም፣ ይግለጽ። ካልእ ኣብ ክንኦም ኪመውት ነይርዎ። ኣብቲ ስእሊ እንስሳ ነይሩ፤ ንኣና ግና ወዲ ኣምላኽ ባዕሉ ነይሩ። ዘደንቕ ጸጋ!
ድሕሪኡ ድማ እቶም ዝጸደቑ ንሱ ከም ዘኽበሮም ተነጊርና ኣሎና። ኵሉ ግዜ ብዙሕ ክብሪ ከም ዝረኸብና ኣይስምዓናን ይኸውን! ግናኸ ኣብ ሓሳብ ኣምላኽ፣ እዚ ድሮ ተፈጺሙ እዩ። ንጐይታ ቀልጢፉ ንምምጻእ ንጽበ፣ ሽዑ ስጋና ኺልወጥን ኪኸብርን እዩ።





