ከምቲ ካብ 1 ቈረንቶስ 12–14 እንመሃሮ፡ እቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስቲያናት ብፍላይ ብመንፈሳዊ ውህበት ልሳናት ይግደሱ ነበሩ። ብግልጺ፡ እቶም ብዘይፍለጥ ቋንቋታት ዚዛረቡ ዝነበሩ ኣመንቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ይረኽቡ ነበሩ። እዚ ድማ ናብ ትዕቢትን ናብ መንፈሳዊ ዘይጥቕሚ ኣኼባታትን ኣምርሐ። ምዕራፍ 14 ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ዓብዪ ድሌት ንሓድሕድና ብመንፈስ ምህናጽ ምዃኑ የጕልሕ፦ «ኩሉ ንምህናጽ ይኹን» (14:26)። እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ፍቕዲ፡ «ንዝበለጸ ውህበታት ብቕንዕና ድለዩ» ይብል፡ እዚ ድማ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:39 ተደጊሙ ተገሊጹ ኣሎ፦ «ብቕንዕና ንትንቢት ድለዩ»። ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ከይተፈጸመ ዝነበረ ዘመን፡ እቲ ዚትንቢ፡ «ምህናጽን ምትብባዕን ምጽንናዕን» (14:3) ኪዛረብ ነይርዎ፡ ብዛዕባ ትምህርትን ክርስቲያናዊ ኣነባብራን ዘሎ ሓሳብ ኣምላኽ ኪገልጽ ነይርዎ። ስለዚ፡ እቶም «ዝበለጹ ውህበታት» እቶም ካብ ኣምላኽ ግዜኣዊ፡ መምህራዊ መልእኽቲ ዚህቡ፡ ኩሉ ኺርድኦ ዚኽእል ዝነበሩ እዮም። እቲ ንተመሳሳሊ ዕላማታት ዚኸውን ግዜኣዊ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣገልግሎት ድሌት ሎሚ እውን ቀጺሉ ኣሎ።
ግናኸ፡ መንፈሳዊ ውህበታት ክንሓስብ ከሎና፡ ሓደ «ዝበለጸ መገዲ» ክንዝክር ኣሎና። እዚ ድማ መገዲ ፍቕሪ እዩ፡ ከምቲ 1 ቈረንቶስ 13 ዚገልጾ። ፍቕሪ ኣብ መንፈሳዊ ውህበታት ኣይተዘርዘረትን። ኣብ ክንድኡ፡ ንዝኾነ ይኹን ውህበት ንምጥቃም ኣገዳሲ ባይታ እያ። ተመሳሳሊ ፍቕዲ ኣብ ሮሜ 12:6–8፡ ንሓያሎ መንፈሳዊ ውህበታት ዚገልጽ፡ ብፍቕዲ 9 ይስዕብ፦ «ፍቕሪ ብዘይ ግብዝና ትኹን»።
ከም ክርስቲያናት መጠን፡ ንውህበታትና ኽንፈልጥ ክንደሊ ኣሎና። ያእቆብ ብዛዕባ መንፈሳዊ መምህራን ምስ ተዛረበ፡ «ንሕና» ዚብል ተውላጠ ስም ተጠቒሙ፡ ኣምላኽ ብእኡ ኺጥቀም ከም ዚደሊ ይፈልጥ ከም ዝነበረ የርኢ (ያእቆብ 3:1)። ግናኸ፡ ብዛዕባ ውህበታትና ዘይተረጋገጽና እኳ እንተ ዀንና፡ ብቐጥታ ናብ ፍቕሪ ኽንከይድ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ ኣብ ባይታ ክርስቲያናዊ ፍቕሪ፡ ንሓድሕድና ኸነገልግል ኩሉ ሳዕ ክንደሊ ኢና።




