ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ሰለስተ “ኣዝዮም ክቡራት” ወይ ኣዝዮም ወድዓውያን ነገራት ተዛሪቡ ኣሎ።
ሰለስተ ኣዝዮም ክቡራት ነገራት
- እቲ ማርያም ኣብ ሰብነት ጐይታ ዝኣፍሰሰቶ ዕትሮ ኣልባስጥሮስ ቅዱስ ቅብኣት ንቐብሪኡ ኣብ ግምት ብምእታው፤ እቲ ድሕሪ እቲ ተግባር ዝነበረ ፍቕርን ኣምልኾን ኣብ ግምት ጐይታ ኣዝዩ ክቡር ስለ ዝነበረ፡ ሽዑኡን ኣብኡን፡ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዝተሰብከሉ ዘበለ፡ እዚኣ ዝገበረቶ እውን ንመዘከርታኣ ኺንገር እዩ” ኢሉ ኣወጀ።
- እቲ ኣዝዩ ክቡር ሉል፡ እሱ ድማ ቤተ ክርስቲያን እዩ።፡ ምእንታኣ ድማ፡ ንርእሱ ኺሕዝ፡ ጐይታ፡ እቲ ነጋዳይ፡ ዝነበሮ ኩሉ ሸጠ፡ ኣብ ኣዒንቱ ዘይጠፍእ ውበታ ከምኡ ነበረ።
- ትሑትን ህዱእን መንፈስ ኣብ ክርስትያን ሰበይቲ —እዚ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር እዩ” (1 ጴጥሮስ 3:4) ኢልና ንምብብ።
ዋጋ ትሑትን ህዱእን መንፈስ
ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር፡ ብዛዕባ ዝኾነ ኣገልግሎት ሰባት ኬቕርብዎ ዚኽእሉ፡ ብዛዕባ ዝኾነ ዕዮ ወይ ጻዕሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስጋና የብልናን፤ ንኣምላኽ ከም ቅብኣት ማርያም መኣዛኡ የብሉን፡ ኣብ ኣዒንቱ ድማ ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ክርስቶስ ውብ እዩ። ክርስትያን ኣንስቲ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ኪደልያ ይኽእላ?
እዚ ኣብዚ ኣሎ መኣዛ እቲ ክእለት መኣዛ ዚሰርሕ ሰብ ኬፍርዮ ዘይኽእል፡ እዚ ኣብዚ ኣሎ ስልማት እቲ ዝኾነ ሓረር ኬፍርዮ ዘይኽእል፡ እዚ ኣብዚ ኣሎ ውበት እቲ ስነ ጥበብ ወይ ተፈጥሮ ኬርእዮ ዚኽእል ኩሉ ዚሓልፍ እዩ እሞ ንዘለኣለም ዚጸንዕ እዩ፡ ከመይሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ንሱ ንዘለኣለም ኪሕልዎ እዩ።
እዚ ድማ ንኹሉ ክርስትያን ሰበይቲ ዚበጽሕ እዩ።
ስለምንታይ ኣብ ኣገልግሎት ዓቢ ህዝባዊነት ወይ ኣብ ኣዒንቲ ሰባት ልዑል ቦታ ኺደልያ ኣለወን? ነዚ ቃል ኣምላኽ እዚ የስተንትናሉ እሞ ናብዚ ይኺዳ፡ እሞ ነዚ ትሑትን ህዱእን መንፈስ እዚ ኸም ዚማዕብላን ኬርእያ ከለዋ ድማ፡ ብዝኾነኦ ዘይኮነስ ብዝገብረኦ፡ ንኻልኦት ይጠቕማ፡ ከመይሲ ንኣምላኽ ክቡራት እየን።
ነዚ ብምብዛሕና ንኣገልግሎት ኣይንንእሶን። ኣንስቲ ንጐይታ ኣገልገላ። ፊበ ኣገልጋሊት ቤተ ክርስቲያንን ንብዙሓት ደጋፊትን ነበረት እሞ ኣንስቲ ምስ ጳውሎስ ኣብ ወንጌል ጸዓራ—ኩሉ ኣብ ቦታኡ ቕኑዕን ጽቡቕን እዩ—
ግናኸ እቲ ትሑትን ህዱእን መንፈስ ንኹሉ ይሓልፍ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ክቡር እዩ።






