ጸጋን ሓቅን ኣምላኽና
«ጸጋን ሓቅን» ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ግዜ ጥራይ እተጠቕሰት ሓረግ እያ ?– ግናኸ ንኣካል ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ እተገልጸት ስለ ዝኾነት፡ ዓብዪ ዋጋ ኣለወን። ኣብ ዮሃንስ 1:14 (NASB) ከምዚ ኢልና ነንብብ፦
እቲ ቓል ድማ ስጋ ዀነ፡ ኣብ ማእከልናውን ሐደረ፡ ክብረቱ ኸኣ ርኤና፡ ከም ክብሪ ሓደ ወዲ ንኣቦኡ፡ ጸጋን ሓቅን ዝመልኦ። (ዮሃንስ 1:14)
ድሕሪ ሰለስተ ፍቕድታት ድማ (ፍ.17) ከምዚ ኢልና ነንብብ፦
ሕጊ ብሙሴ ተዋህበ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ ኰነ። (ዮሃንስ 1:17)
እዘን ሰለስቲአን ቃላት ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለወን። «ን» ነተን ክልተ ኣርእስቲ «ጸጋን» «ሓቅን» ከምቲ ኣብ ሕርሻ ዚጥቀሙሉ ኣርዑት ሓቢራ ትሕዘን። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንፈልጦ፡ ኣርዑት ጽቡቕ ፍረ ንምምጻእ ክልተ ብርቱዓት እንስሳታት የድልያ። ኣርዑት ንሓንቲ እንስሳ ጥቕሚ የብሉን። ክልተ እንስሳታት ጽቡቕ ጌረን ከይሰርሓ እንተ ኾይነን እንታይ ከም ዚኸውን ርኢኹም ወይ ድማ ክትሓስቡ ትኽእሉ ኢኹም – እቲ ውጽኢት ጽቡቕ ኣይኮነን ንሓረስታይ እውን ውሑድ ዋጋ ኣለዎ።
ኣብ ጐይታ የሱስ፡ «ጸጋን ሓቅን ዝመልኦ» ዝኾነ፡ እዘን ብርቱዓት ባህርያት ብፍጹም ምትሕብባር ከም ዚሰርሓ ንርኢ። ኣብኡ ሓንቲ እኳ ባህርይ ስለ ዘይጎደለት፡ የሱስ ክርስቶስ ጸጋን ሓቅን ብኹሉ ቓላቱን ኣገባቡን ብፍጹም ይገልጽ። ወንጌላት ክነንብብ ከለና ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብነት ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ሕጂ ንሕና ምእመናን ክንሓትቶ እንኽእል ሕቶ፡ «እዘን ባህርያት ኣብኣይ ይርኣያ ድየን?» ዝብል እዩ። ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና እንተ ኣልዩ፡ ብህይወትና ወይ ብኣኼባታትና ኪርአ ኣይግባእን ድዩ? ክልቲኡ ገጽ ክህሉን ክርአን ኣለዎ፡ ከመይሲ ከምቲ እንስሳታት ኣርዑት፡ ሓደ ብዘይ ካልእ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዋጋ የብሉን።
ከም ሰባት፡ ንነገራት ማዕረ ንምግባር ንምልካዕ ንደሊ። ብተጻራሪ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሓደ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ መርዓኦም ፍርቆም ከም ዚገብሩ ብዙሕ ግዜ ንሰምዕ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ጸጋን ሓቅን ከምኡ ኢና፡ ንኽልቲኡ ማዕረ ንምግባር ጥራይ ንምልካዕ። መለክዒታት ኣምላኽ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ክርስቶስ ክንገልጽ እንተ ኾይንና፡ ብኹሉ እቲ ዝሓዝናዮ ጸጋን ሓቅን ክንገብር ኣሎና – ብመሪሕነትን ብሓይልን መንፈስ ቅዱስ ክንገብሮ ከም እንኽእል መጠን። ብሓቂ ዓብዪ ብድሆ እዩ!





