ጐይታ ብምቚራጽ ኢድ ወይ እግሪ ኣብ ማርቆስ 9፡43-48 እንታይ ማለቱ እዩ?
ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ጐይታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ትርጉም “ናይ ክርስቶስ” ምዃን (ፍቕዲ 41) ብቐጥታ ይዛረቦም ኣሎ። ኣብ ወንጌል ማርቆስ መንግስቲ “ብሓይልን” ህይወትን ተቕርብ።
ጐይታ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኺውክልዎ እንተ ደኣ ዀይኖም፡ “ናይ ክርስቶስ” ኪኾኑ ኸም ዘለዎም ነጊርዎም ኣሎ። “ብክርስቶስ” ምዃን ብዛዕባ ምድሓንናን ናይ ዘለኣለም ዕድልናን ኣብኡ ድሕንነት ዘሎና ኵሉ በረኸት ከም ዘሎና ንርድእ—እዚ መስመር መሰል እዩ። ይኹን እምበር፡ “ናይ ክርስቶስ” ክንከውን እንተ ደኣ ዀይና፡ ንዕኡ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብ ሓላፍነት ንርከብ። ነዚ ንምግባር ዜዕንቅፍ ኵሉ ኺርሓቕ ኣለዎ፡ እንተ ዘይኮነ ግን፡ ብዛዕባ መንግስቲ ዚወሃብ ዓስቢ ይጠፍእ። ኢድ፡ እግሪ፡ ከምኡውን ዓይኒ፡ ብዛዕባ ኵሉ ግብራትና—እንገብሮ፡ እንኸዶ፡ እንርእዮ—ኺግዝኡ ኣለዎም። ኬስሕቱ የብሎምን። እቲ እንዛረቦ ቓላት ብውሽጢ ቕኑዕ ኪመስል ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ንህይወት መንግስቲ ኣገዳሲ ዝኾነ ግብሪ እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ምዕራፍ፡ ኣብ ልዕሊ ጨው ኣቓልቦ ኣሎና። ኣብ ብሉይ ኪዳን ኵሉ መስዋእቲ ጨው ኪጨው ኣለዎ ነበረ፡ ንሕና እውን ከም ህያዋን መስዋእቲ ርእስና ኻብ ክፉእ ኽንሕሉ ኣሎና። ነዚ ብግብሪ ብምግባር ጥራይ እዩ ኣብ መንጎና ሰላም ኪሕሎ ዚኽእል። ጄ.ኤ.ፒ.





