ናብ ሰማይ ዘብጽሕ መገዲ
የሱስ ድማ፡ «ኣነ እየ መገዲ፡ ሓቅን ህይወትን። ሓደ እኳ ብዘይ ብኣይ ናብ ኣቦ ኣይመጽእን» በሎ። — ዮሃንስ 14:6
ኵሉ ሓጥኣን እዩ
ፍልልይ የልቦን፡ ከመይሲ ኵሉ ሓጢኣት ገይሩ ኻብ ክብሪ ኣምላኽ ከኣ ነጸለ (ሮሜ 3:22-23)።
እግዚኣብሔር ድማ እከይ ሰብ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ከም ዝኾነ፡ ኵሉ ሓሳብ ልቡ ኸኣ ኵሉ ግዜ እከይ ጥራይ ከም ዝኾነ ረኣየ (ዘፍጥረት 6:5)።
ፍርዲ ርግጽ እዩ
ንሰብ ሓንሳብ ምሟት፡ ድሕሪኡ ድማ ፍርዲ ተመዲቡሉ እዩ (እብራውያን 9:27)።
ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ሕሳብ ክህብ እዩ (ሮሜ 14:12)።
እዚኦም ናብ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ኪኸዱ እዮም (ማቴዎስ 25:46)።
ለውጢ ክህሉ ኣለዎ
እንተ ዘይተነሳሕኩም፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም (ሉቃስ 13:3)።
ሓደ እኳ እንተ ዘይተወልደ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኪርኢ ኣይከኣልን እዩ (ዮሃንስ 3:3)።
እንተ ዘይተመልስኩምን ከም ቈልዑ እንተ ዘይኮንኩምን፡ ናብ መንግስቲ ሰማይ ከቶ ኣይክትኣትዉን ኢኹም (ማቴዎስ 18:3)።
ግብሪ ኬድሕነና ኣይክእልን እዩ
ሓደ እኳ ኸይመካሕ፡ ብግብሪ ኣይኮነን (ኤፌሶን 2:9)።
ብግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ፡ ንሕና ዝገበርናዮ (ቲቶስ 3:5)።
ሞት ክርስቶስ ኬድሕነና ይኽእል እዩ
ክርስቶስ ከም ቅዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ (1 ቈረንቶስ 15:3)።
ንሱ ባዕሉ ሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾረ (1 ጴጥሮስ 2:24)።
ኣገዳስነት ደም ክርስቶስ
ደም እንተ ዘይፈሰሰ፡ ይቕረታ የልቦን (እብራውያን 9:22)።
ብጠፋኢ ነገር ኣይተዋጀኹምን … ብኽቡር ደም ክርስቶስ ግና፡ ከም ናይ በጊዕ ብዘይ ነውርን ብዘይ ነጥብን (1 ጴጥሮስ 1:18-19)።
ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሓና (1 ዮሃንስ 1:7)።
ዕድመ ክርስቶስ ንሓጥኣን
ንኣይ ምጹ፡ ኵላትኩም ዝጽዕርኩምን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ድማ ዕረፍቲ ክህበኩም እየ (ማቴዎስ 11:28)።
ናብ ኣነ ዝመጽእ ከቶ ኣይድርብዮን እየ (ዮሃንስ 6:37)።
ንዘለኣለም ከመይ ጌርካ ትድሕን
ንዝተቐበልዎ ኹሎም ግና፡ በስሙ ንዝኣምኑ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪኾኑ መሰል ሃቦም (ዮሃንስ 1:12)።
ኣምላኽ ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ስለ ዝፈተዋ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣምን ኵሉ ኸይጠፍእ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ግና ምእንቲ ኺህልዎ፡ ንእኡ ሃቦ (ዮሃንስ 3:16)።
ብእኡ ኵሎም ነብያት ይመስክሩ፡ በስሙ ዝኣምን ኵሉ ምሕረት (ይቕረታ) ሓጢኣት ኪቕበል እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 10:43)።
ብእኡ ዝኣምን ኵሉ ካብ ኵሉ ነገር ይጸድቕ (ግብሪ ሃዋርያት 13:39)።
ንዘለኣለም ከመይ ጌርካ ትጠፍእ
ዘይኣምን ድማ ኪዅነን እዩ (ማርቆስ 16:16)።
በቲ ወዲ ዘይኣምን ህይወት ኣይርእን፡ ግናኸ ቊጥዓ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር (ዮሃንስ 3:36)።
እቲ ኣማኒ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣላቶ
ንቓለይ ዝሰምዕን በቲ ዝለኣኸኒ ዝኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ናብ ፍርዲ ድማ ኣይመጽእን፡ ካብ ሞት ናብ ህይወት ግና ተሰጋጊሩ እዩ (ዮሃንስ 5:24)።
ኣነ ዘለኣለማዊ ህይወት እህቦም፡ ከቶ ድማ ኣይጠፍኡን፡ ሓደ እኳ ኻብ ኢደይ ኪምንጥሎም ኣይክእልን እዩ (ዮሃንስ 10:28)።





