7 ሕዳ 2023
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 8 ሕዳር: ዕለታዊ ብርሃን, 8 ሕዳር: ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና (1ይ ተሰሎንቄ 5:8)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ንሕና ግና፥ ደቂ መዓልቲ ስለ ዝኾንና፥ እምነትን ፍቕርን ከም ድርዒ ለቢስና፥ ናይ ድሕነት ተስፋ ኸዓ፥ ከም ቁራዕ ርእሲ ደፊእና፥ ርእስና ብምግታእ ንንበር።
1ይ ተሰሎንቄ 5:8
ስለዙይ ሕቘ ልቦናኹም ተዓጢቕኩም፥ ንስራሕ ተዳለዉ፤ ብመጠን ንበሩ፤ ሙሉእ ተስፋኹም ከዓ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ እንትግለፅ፥ ኣብ እትረኽብዎ ፀጋ ይኹን።
1ይ ጴጥሮስ 1:13
እምበኣር ሕቘኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም፥ ድርዒ ፅድቂ እውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ሃልሃል ዝብል ኵሉ ፍላፃታት ኽተጥፍኡሉ እትኽእሉ፥ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ኤፌሶን 6:14, 16–17
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ “እንሆ፥ ኣምላኽና እዙይ እዩ! ተስፋና ኣብኡ ገበርና፤ ንሱ ኸዓ ኸድሕነና እዩ፤ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ... ብምድሓኑ ንተሓጐስ፤ ደስውን ይበለና” ክበሃል እዩ።
ኢሳይያስ 25:8–9
ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ፥ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።
ዕብራውያን 11:1
እቶም ደቂ እስራኤል ከዓ ኽልተ ኣናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንፅሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።
1ይ ነገስት 20:27
እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም ኢሉ ተዛረቦ። ሶርያውያንን እስራኤላውያንን ድማ ማዕዶ ንማዕዶ እናተረኣኣዩ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸዓ ውግእ ኾነ። ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ።
1ይ ነገስት 20:28–29
ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።
1ይ ዮሃንስ 4:4
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ኢሳይያስ 41:10
ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ምእንቲ ኸድሕነካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
ኤርሚያስ 1:19
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ6 ሕዳ 2023
ቈላስይስ 3:4 · ዮሃንስ 11:25
5 ሕዳ 2023
ዘፀኣት 30:23 · ዘፀኣት 30:25
4 ሕዳ 2023
1ይ ጴጥሮስ 1:6 · 1ይ ጴጥሮስ 4:12–13
3 ሕዳ 2023
ሆሴዕ 14:9 · 1ይ ጴጥሮስ 2:7–8
2 ሕዳ 2023
1ይ ተሰሎንቄ 5:15 · 1ይ ጴጥሮስ 2:21–23
1 ሕዳ 2023
ምሳሌ 8:34 · ዳዊት 123:2




