6 ግን 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 7 ጉንበት: ዕለታዊ ብርሃን, 7 ጉንበት: ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፤ ኣስተውዕሉ፤ ኣይትደንግፁ።
ማቴዎስ 24:6
ኣምላኽና መዕቘቢናን ሓይልናን፥ ብዝረኸበና ብርቱዕ መከራውን ረዳኢና እዩ። ስለዙይ ምድሪ እንተ ተናወፀት፥ እምባታትውን ናብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ሰጠሙ፥ ማያቱ እንተ ሃመመን እንተ ተናወፀን፥ እምባታትውን ካብ ሓይሉ ዝተልዓለ እንተ ኣንቀጥቀጡ፥ ንሕናስ ኣይንፈርሕን ኢና።
ዳዊት 46:1–3
ኦ ህዝበይ ነዓ፤ ናብ ገዛኻ እቶ፤ ማዕፆኻውን ብውሽጢ ዕፆ፤ ቍጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቑሩብ ጊዜ ተሓባእ። እንሆ፥ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰንኪ ኽፍኣቶም ክቐፅዖም ካብ ስፍራኡ ይወፅእ ኣሎ።
ኢሳይያስ 26:20–21
መሃረኒ፤ እቲ መዓት ክሳዕ ዝሓልፍ፥ ኣብ ፅላል ኣኽናፍካ ተኣሚነ ኣለኹ።
ዳዊት 57:1
ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።
ቈላስይስ 3:3
ካብ ክፉእ ነገርውን ኣይፈርሕን፤ ብእግዚኣብሄር ንምእማን ልቡ ፅኑዕ እዩ።
ዳዊት 112:7
በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”
ዮሃንስ 16:33
ነቲ ንስኻ ዝቐሰፍካዮ ንሳቶም ኣሳጒጎም እዮምሞ።
ዳዊት 69:26
መዐንቀፊ ግድን እንተይመፀ ኣይተርፍን እዩ፤ ነቲ ብሰንኩ መዐንቀፊ ዝመፅእ ግና ወይለኡ!
ሉቃስ 17:1
ከምቲ ምዱብ ምኽሪ እግዚኣብሄርን፥ ዘለኣለማዊ ፍልጠቱን፥ ንዝተወፈየ ኢየሱስ፥ ብኢድ ሓጢኣተኛታት፥ ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን።
ግብሪ ሃዋርያት 2:23
ሽዑ ኣብ ገፁ እንትፍ በሉሉ፤ ገሊኣቶም ድማ ወቕዕዎ። “ኦ ክርስቶስ! መን እዩ ዝወቕዐካ? እስኪ ተነበየልና?” እናበሉ ኸዓ ይፀፍዕዎ ነበሩ።
ማቴዎስ 26:67–68
ከምኡውን እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦ “ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይኸኣለን፤ ንሱ ንጉስ እስራኤል እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ።
ማቴዎስ 27:41–42
ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ። እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
ግብሪ ሃዋርያት 4:27–28
“ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤ ሕማምናውን ተሸከመ፤ ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከም ዝተወቕዐን፥ ከም ዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ።
ኢሳይያስ 53:4
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ5 ግን 2024
ማቴዎስ 6:31–32 · ዳዊት 34:9–10
4 ግን 2024
ኢሳይያስ 59:1 · ዳዊት 138:3
3 ግን 2024
ማቴዎስ 5:48 · ዘፍጥረት 17:1
2 ግን 2024
ዘፍጥረት 28:16 · ማቴዎስ 18:20
1 ግን 2024
ገላትያ 5:22 · ሮሜ 8:6
30 ሚያ 2024
1ይ ዮሃንስ 2:5 · ዕብራውያን 13:20–21






