16 ግን 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 17 ጉንበት: ዕለታዊ ብርሃን, 17 ጉንበት: ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ከም ሕግጋተይ ተመላለሱ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፤ ከም ሕግጋተይ ተመላለሱ፤ ስርዓተይ ከዓ ሓልዉ፤ ግበርዎውን።
ሕዝቅኤል 20:19
“ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ” ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ከምቲ እቲ ዝፀውዐኩም ቅዱስ ዝኾነ፥ ንስኻትኩምውን፥ ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳን ኩኑ።
1ይ ጴጥሮስ 1:15
እቲ “ኣብኡ እነብር እየ” ዝብል፥ ከምቲ ንሱ ዝተመላለሰ፥ ባዕሉውን ከምኡ ኽመላለስ ይግብኦ እዩ። ንሱ ፃድቕ ምዃኑ እንተ ደኣ ትፈልጡ ዄንኩም፥ ኵሉ ፅድቂ ዝገብር፥ ካብ እግዚኣብሄር ከም ዝተወለደ ፍለጡ።
1ይ ዮሃንስ 2:6, 29
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምሕላው እዩ ዝጠቅም እምበር፥ ምግራዝ ኮነ ዘይምግራዝ ዝጠቕሞ የብሉን።
1ይ ቆሮንቶስ 7:19
ንዅሉ እቲ ሕጊ ፈፂሙ፥ ብሓንቲ ዝብድል ግና፥ ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።
ያእቆብ 2:10
ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
2ይ ቆሮንቶስ 3:5
ኦ ጐይታ፥ መንገዲ ስርዓታትካ መሃረኒ።
ዳዊት 119:33
ብፍርሓትን ብራዕድን፥ ናይ ርእስኹም ድሕነት ንምፍፃም፥ ተጊህኹም ስርሑ። ምእንቲ ሰናይ ፍቓዱ ኢሉ፥ ክትደልዩን ክትገብሩን ኣባኻትኩም ዝሰርሕ፥ እግዚኣብሄር እዩሞ።
ፊልጵስዩስ 2:12–13
እቲ ኣምላኽ ሰላም ... ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ቅድሚኡ ደስ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ፥ ፍቓዱ ምእንቲ ኽትፍፅሙ፥ ብዅሉ ሰናይ ግብሪ ፍፁማን ይግበርኩም።
ዕብራውያን 13:20–21
ነቲ ዝተመረፀ ኻብ ህዝበይ ልዕል ልዕል ኣበልክዎ።
ዳዊት 89:19
ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር፥ ንመላእኽቲ ኸድሕን ኣይመፀንሞ። ስለዙይውን ርህሩህን እሙንን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን።
ዕብራውያን 2:16–17
ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።
ሕዝቅኤል 1:26
ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደኳ የለን።
ዮሃንስ 3:13
ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም።
ሉቃስ 24:39
እኳ ደኣ ሰብ ብምዃን፥ መልክዕ ባርያ ብምውሳድ፥ ብፍቓዱ ንባዕሉ ድኻ ገበረ። ንባዕሉ ኣዋሪዱ ኽሳዕ ሞት፥ ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ።
ፊልጵስዩስ 2:7–10
ንግብርኻ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ፥ ፍፁም ኮይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፥ ንቑሕ ኹን፤ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፥ ንሞት ዝቐረቡውን ኣበርትዓዮም።
ራእይ 3:2
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ15 ግን 2024
ራእይ 21:4 · ኢሳይያስ 25:8
14 ግን 2024
ፊልጵስዩስ 3:10 · ማቴዎስ 10:25
13 ግን 2024
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 · ዮሃንስ 4:23–24
12 ግን 2024
1ይ ዮሃንስ 4:7 · ሮሜ 5:5
11 ግን 2024
1ይ ቆሮንቶስ 15:34 · 1ይ ተሰሎንቄ 5:5–6
10 ግን 2024
1ይ ዮሃንስ 3:8 · ኤፌሶን 6:12






