18 ግን 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 19 ጉንበት: ዕለታዊ ብርሃን, 19 ጉንበት: ካብቲ ንኣይ ዝበደሉሉ ሓጢኣት ከንፅሆም እየ (ኤርሚያስ 33:8)
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ካብ በደለይ ፈፂምካ ሕፀበኒ።
ዳዊት 51:2
ካብቲ ንኣይ ዝበደሉሉ ሓጢኣት ከንፅሆም እየ፤ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝዓመፅዎን ዝበደልዎን ሓጢኣቶም ይቕረ ኽብሎም እየ።
ኤርሚያስ 33:8
ፅሩይ ማይ ክነፅገልኩም እየ እሞ፥ ክትፀርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን፥ ካብ ኵሎም ጣዖታትኩምን ከፅርየኩም እየ።
ሕዝቅኤል 36:25
ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ [ቅዱስን] እንተ ዘይተወሊዱ፥ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክኣቱ ዝኽእል ከቶ የለን።
ዮሃንስ 3:5
ደም ኣጣልን ዝራብዓትን፥ ናይታ ዝሓረረት ዓርሒ ሓመዅሽትን፥ ኣብቶም ዝረኸሱ ተነፂጉ፥ ሰብነቶም ኣንፂሁ ዝቕድሶም ካብ ኮነ፥ ደም እቲ ብዘለኣለማዊ መንፈስ ገይሩ፥ ንባዕሉ ብዘይ ነቐፋ፥ ንእግዚኣብሄር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፥ ነቲ ህያው እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽነገልግል፥ ንሕሊናና ኻብቲ ሞት ዘስዕብ ግብሪ፥ ክንደይ ኣብሊፁ ዘየንፅሆ!
ዕብራውያን 9:13–14
ሓይሉ ምእንቲ ኸፍልጥ፥ ስለ ስሙ ኢሉ ኣድሓኖም።
ዳዊት 106:8
ኦ ጐይታ፥ ንኣና ኣይኮነን፤ ንኣና ኣይኮነን፤ ግና ስለ ምሕረትካን ስለ ሓቅኻን ኢልካ፥ ንስምካ ምስጋና ሃብ።
ዳዊት 115:1
ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም።
ፊልጵስዩስ 1:5
ከምቲ ሰብነት ሓደ እንተሎስ፥ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፥ እቲ ኣካላት ከዓ ብዙሕ እንተሎ፥ ሓደ ሰብነት ከም ዝኾነ፥ ክርስቶስውን ኸምኡ እዩ። ንሕና ኣይሁድ ኮንና ግሪካውያን፥ ባሮት ኮንና ነፃ ሰባት ኵልና፥ ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፥ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፤ ሓደ መንፈስውን ሰተና።
1ይ ቆሮንቶስ 12:12–13
እቲ ምስ ወዱ፥ ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:9
ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም፥ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን፥ ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትናውን፥ ምስ ኣብን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:3
ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፥ ኣብ ብርሃን እንተ ነበርና ግና፥ ንስንሳትና ሕብረት ኣለና፤ ደም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስውን፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንፅሀና እዩ።
1ይ ዮሃንስ 1:7
ኢየሱስ እዙይ ምስ ተዛረበ ... ምእንቲ እቶም ብቓሎም፥ ብኣይ ዝኣምኑውን እምበር፥ ምእንቲ እዚኣቶም ጥራሕ ኣይኮንኩን ዝልምን ዘለኹ። ኦ ኣቦ! ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፥ ዓለም ምእንቲ ኽኣምንስ፥ ኵላቶምውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፥ ንስኻ ኣባይ ከም ዘለኻ፥ ኣነውን ኣባኻ ኸም ዘለኹ።
ዮሃንስ 17:1, 20–21
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ17 ግን 2024
ሕዝቅኤል 20:19 · 1ይ ዮሃንስ 2:6
16 ግን 2024
ሮሜ 1:1 · ዮሃንስ 13:13
15 ግን 2024
ራእይ 21:4 · ኢሳይያስ 25:8
14 ግን 2024
ፊልጵስዩስ 3:10 · ማቴዎስ 10:25
13 ግን 2024
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 · ዮሃንስ 4:23–24
12 ግን 2024
1ይ ዮሃንስ 4:7 · ሮሜ 5:5


