20 ግን 2024
ናይ መዓልቲ ብርሃን — 21 ጉንበት: ዕለታዊ ብርሃን, 21 ጉንበት: ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ
ናይ መዓልቲ ብርሃን
ብዝተረፈ ኣሕዋተይ፥ ብጐይታን ብፅንዓት ሓይሉን ጠንክሩ።
ኤፌሶን 6:10
ንሱ ግና “ሓይለይ ኣብ ድኻም እዩ ፍፁም ዝኸውን እሞ፥ ፀጋይ ይኣኽለካ” በለኒ። ስለዙይ ሓይሊ ክርስቶስ፥ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፥ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እንትደክም፥ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፥ ብፀርፊ፥ ብሓሳር፥ ብስደት፥ ብመከራ እሕጐስ ኣለኹ።
2ይ ቆሮንቶስ 12:9–10
ብሓይሊ እግዚኣብሄር ክኣቱ እየ፤ ኦ ጐይታ፥ ንፅድቅኻ ጥራሕ ክዝክር እየ።
ዳዊት 71:16
ወንጌል ንዝኣምን ኵሉ፥ ቅድም ንኣይሁድ ደሓር ንኣህዛብ።
ሮሜ 1:16
በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ፥ ንዅሉ ኽገብሮ እኽእል እየ።
ፊልጵስዩስ 4:13
በቲ ንሱ ኣብ ውሽጠይ ብሓይሊ ዝገብሮ ዘሎ ዅሉ ተግባራት፥ እናተጋደልኩ እፅዕር ኣለኹ።
ቈላስይስ 1:29
ግና እቲ ዓብዪ ሓይሊ፥ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፥ ናትና ኸም ዘይኮነ ምእንቲ ኽገሃድ፥ ካብ መሬት ኣብ ዝተፈጥረ ሰብነትና፥ እዝ ናይ ፍልጠት መዝገብ ኣለና።
2ይ ቆሮንቶስ 4:7
ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ በሎም።
ነህምያ 8:10
በቲ ኽቡር ሓይሉ፥ ብዙሕ ትዕግስትን ፅንዓትን ረኺብኩም፥ ብዅሉ ሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ።
ቈላስይስ 1:11
ዝፀውዐኩም እግዚኣብሄር እሙን እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 1:9
ንሱ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፥ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ።”
ማቴዎስ 1:21
ክሳዕ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሙማትውን ተኣዘዘ። ስለዙይ እግዚኣብሄር፥ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ኣበሎ፤ ልዕሊ ዅሉ ስም ዝኾነ ስም ከዓ ሃቦ። ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ።
ፊልጵስዩስ 2:8–10
እታ ሰበይቲ ድማ እቲ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲሕ ከም ዝመፅእ እፈልጥ እየ።
ዮሃንስ 4:25
ኣብ ልዕለይ እዩ፤ ንድኻታት ብስራት ክሰብኽ፥ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩሞ። ንስቡራት ልቢ ኽፅግን፥ ንምሩኻት ሓርነት።
ኢሳይያስ 61:1
እቲ ዳሕረዋይ ኣዳም ከዓ፥ ህይወት ዝህብ መንፈስ ኮነ። ... እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ኻብ ሰማይ እዩ።
1ይ ቆሮንቶስ 15:45, 47
ኣምላኸይን! በሎ።
ዮሃንስ 20:28
ንስኻትኩም ‘መምህርን ጐይታን’ ኢልኩም ትፅውዑኒ፤ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸዓ፥ ፅቡቕ በልኩም። እምበኣር ኣነ ጐይታኹምን መምህርኩምን እንተለኹ፥ ኣእጋርኩም ካብ ሓፀብኩ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ፥ ኣእጋር ብፆትኩም ክትሓፅቡ ይግብአኩም እዩ። ከምቲ ኣነ ንኣኻትኩም ዝገበርክዎ፥ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ፥ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።
ዮሃንስ 13:13–15
ምርጫታት ቅዱስ ጽሑፍ ካብ ናይ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ናይ መዓልቲ መገዲ (ህዝባዊ ንብረት ዝኾነ ምትእኽኻብ)።
ናይ ቀረባ መዓልታት
ኩሉ ርአ19 ግን 2024
ዳዊት 51:2 · ኤርሚያስ 33:8
18 ግን 2024
ዮሃንስ 5:26 · 2ይ ጢሞቴዎስ 1:10
17 ግን 2024
ሕዝቅኤል 20:19 · 1ይ ዮሃንስ 2:6
16 ግን 2024
ሮሜ 1:1 · ዮሃንስ 13:13
15 ግን 2024
ራእይ 21:4 · ኢሳይያስ 25:8
14 ግን 2024
ፊልጵስዩስ 3:10 · ማቴዎስ 10:25






